ዳዊት 79

1 ዎ ኣምላኽ፣ አህዛብ ናብ ርስትኻ አትዮም፣ ንቕድስቲ መቕደስካ ኣርከስዋ፣ ንኢየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ።

2 ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፣ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሀብዎም።

3 ደሞም አብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ከም ማይ አፍሰስዎ፣ ቀባሪውን ኣይነበረን።

4 ንጐረባብትና ነውሮም፣ ነቶም አብ ዙርያና ዘለዉ ኸኣ ንመስሓቒኦምን ንመላገጺኦምን ኰንና።

5 ዎ እግዚአብሄር፣ አዘውትርካ እትዅሪ፣ ቅንኣትካ ኸም ሓዊ ዚነድድ ኽሳዕ መኣዝ እዩ፧

6-7 ንያእቆብ በሊዖምዎ፣ ንማሕደሩውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፣ ቊትዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፣ ናብቶም ብስምካ ዘይምህለሉ መንግስትታት ክዐዎ።

8 አዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፣ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፣ ቀልጥፍ፣ ምሕረትካ ትቃባበለና።

9 ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ርድኣና፣ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኸኣ ኣናግፈና፣ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።

10 ስለምንታይከ ኣህዛብ፣ ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፣ ዚብሉ፧ እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ ኣብ ቅድሜና አብ ማእከል አህዛብ ይፈለጥ።

11 ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም።

12 ዎ እግዚአብሄር፣ ንጐረባብትና እቲ ዝጸረፉኻ ጸርፊ ሾብዓተ ኢድ ጌርካ፣ ናብ ሕቚፎም ምለሰሎም።

13 ንሕና ግና፣ ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሴኻን ዝዀንና፣ ንዘለአለም ከነመስግነካ፣ ንውሉድ ወለዶ ምስጋናኻ ኸነውሪ ኢና።