ዳዊት 84

1 ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን።

2 ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚአብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፣ ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ።

3 ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፣ ለዃዅቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፣ መሰውኢታትካ፣ ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ንጉሰይን ኣምላኸይን።

4 አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ።

5 ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም።

6 ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ።

7 ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።

8 ዎ እግዚአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ጸሎተይ ስማዕ። ዎ አምላኽ ያእቆብ፣ ጽን በል

9 ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽ፣ ርኤ፣ ገጽ ቅቡእካውን ጠምት።

10 ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ አብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ አብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ አብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።

11 እግዚአብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፣ እግዚአብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፣ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ።

12 ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።