ዳዊት 97

1 እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ምድሪ ትተሐጐስ፣ እቶም ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበሎም።

2 ደበናን ጸልማትን ይኸብዎ፣ ጽድቅን ፍርድን መሰረት ዝፋኑ እዩ።

3 ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፣ ንጸላእቱ አብ ዙርያኡ የንድዶም።

4 መባርቑ ንዓለም አብርሄ፣ ምድሪ ርእያቶ አንቀጥቀጠት።

5 አኽራን አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ አብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ኸም ስምዒ መኸኹ።

6 ሰማያት ንጽድቁ አውረዩ፣ ኵሎም አህዛብ ድማ ክብሩ ረአዩ።

7 ንምስልታት ዚሰግዱን ብጣኦታት ዚምክሑን ኵሎም ይሕፈሩ። ኵሉኹም አማልኽቲ፣ አብ ቅድሚኡ ፍግም በሉ።

8-9 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ አብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ፣ አብ ልዕሊ ዅሎም አማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰት፣ ኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ።

10 ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፣ እከይ ጽልኡ፣ ነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ፣ ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም።

11 ብርሃን ንጻድቃን፣ ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ።

12 ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ንቕዱስ ስሙውን አመስግንዎ።