ዳዊት 89

1 ግብርታት ጸጋ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ክዝምር፣ ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ እምነትካ ኸፍልጥ እየ።

2 ጸጋ ንዘለአለም ኪህነጽ፣ እምነትካ አብ ሰማያት ከተጽንዕ ኢኻ፣ በልኩ እሞ፣

3 ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣቶኹ፣ ንዳዊት ባርያይ መሐልኩሉ፣

4 ዘርእኻ ንዘለአለም ከጽንዕ፣ ዝፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሀንጽ እየ።

5 ጐይታየ፣ ሰማያት ከኣ ንተኣምራትካ፣ ንእምነትካ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ኪውድሱ እዮም።

6 አብ ጠፈር ንእግዚኣብሄር ዚመዓራረዮስ መን እዩ፧ ካብ ውሉድ ስልጡናትከ መን እዩ ንእግዚኣብሄር ዚመስሎ፧

7 ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፣ ካብቶም አብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅላቶም ዜሸብርን ኣምላኽ እዩ።

8 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ዎ ጐይታይ፣ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ ኣሎ።

9 ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦ፣ ማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፣ ንስኻ ተህድኦ።

10 ከም እተወግኤ ጌርካ፣ ንረሃብ ቀጥቂጥካዮ፣ ብሓይሊ ቕልጽምካ ንጸላእትኻ በቲንካዮም ኢኻ።

11 ሰማያት ናትካ እዩ፣ ምድሪውን ናትካ እያ፣ ንዓለም ምስ ምልኣታ ሰሪትካያ።

12 ንሰሜንን ደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮ፣ ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብላ።

13 ሓያል ቅልጽም ኣሎካ፣ ኢድካ ብርትዕቲ፣ የማነይትኻ ልዕልቲ እያ።

14 መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ፣ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ አለዋ።

15 እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ።

16 ብስምካ ምሉእ መዓልቲ ይሕጐሱ፣ ብጽድቅኻውን ልዕል ይብሉ።

17 ክብሪ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ብሞገስካ ቐርንና ልዕል ኪብል እዩ።

18 ዋልታና ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፣ ንጉስና ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።

19 በቲ ዘመን እቲ ብራእይ ንቅዱሳንካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረብካዮም፣ ረዲኤት አብ ልዕሊ ጅግና አንቢረ፣ ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ኣልዒለ።

20 ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ፣ ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ፣

21 ኢደይ ኵሉ ጊዜ ምስኡ ኽትከውን እያ፣ ቅልጽመይ ከኣ ኬበርትዖ እዩ።

22 ጸላኢ ኣይኪወድቆን፣ ዓማጺ ኸኣ ኣይኪጠቕዖን እዩ።

23 ንጸላእቱ ድማ አብ ቅድሚኡ ኽቕጥቅጦም፣ ነቶም ዚጸልእዎውን ክወቕዖም እየ።

24 እምነተይን ጸጋይን ድማ ምስኡ ኪዀና፣ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ኪብል እዩ።

25 ኢዱ ድማ ኣብ ባሕሪ፣ የማነይቱውን ኣብ ርባታት ከንብር እየ።

26 ንሱ፣ ኣቦይ፣ ኣምላኸይ፣ ከውሒ ምድሓነይ ንስኻ ኢኻ፣ ኢሉ ኺሰምየኒ እዩ።

27 ኣነውን በዅሪ፣ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ።

28 ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፣ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።

29 ዘርኡ ድማ ንዘለአለም፣ ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ።

30 ደቁ ሕገይ እንተ ሐደጉ፣ ከም ቅንዕናይ እንተ ዘይተመላለሱ፣

31 ስርዓተይ እንተ ኣፍረሱ፣ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይሐለዉ፣

32 ሽዑ ንኣበሳኦም ብሸቦጥ፣ ንበደሎምውን ብመውቃዕቲ ኸረኻኽበሎም እየ።

33 ጸጋይ ግና ኣየግድፎን፣ እምነተይውን ኣይጠልሞን።

34 ኪዳነይ ኣየፍርስን፣ ከናፍረይ እተዛረቦ ድማ ኣይልውጥን።

35 ሓንቲ ነገር ብቕድስናይ ምሒለ እየ፣ ንዳዊት ኣይሕሱን፣

36 ዘርኡ ንዘለአለም፣ ዝፋኑውን ከም ጸሓይ አብ ቅድመይ ኪነብር እዩ።

37 ከም ወርሒ ንዘለአለም ይቐውም፣ አብ ደበና ዘሎ ምስክር ከኣ እሙን እዩ።

38 ንስኻ ግና ደርቢኻን ንዒቕካን፣ ንቕቡእካ ተቘጣዕካዮ።

39 ኪዳን ባርያኻ ኣፍሪስካ፣ ንዘውዱ አብ ምድሪ አርከስካዮ።

40 ብዘሎ መካበብያኡ ኣፍረስካ፣ ዕርድታቱ ኣዕኖኻ።

41 ኵሎም ሐለፍቲ መገዲ በዝቢዞምዎ፣ ንጐረባብቱ መላገጺኦም ኰይኑ።

42 ንየማነይቲ እቶም መጻርርቱ ልዕል ኣቢልካያ፣ ንዅሎም ጸላእቱ አሐጕስካዮም።

43 እወ፣ ንስሕለት ሰይፉ መለስካዮ፣ አብ ውግእውን ኣየጽናዕካዮን።

44 ንነጸብራቑ አጥፊእካዮ፣ ንዝፋኑውን ናብ ምድሪ ደርቢኻዮ።

45 መዓልትታት ንእስነቱ ኣሕጺርካዮ፣ ብነውሪ ኣጐልቢብካዮ ኣሎኻ።

46 ዎ እግዚኣብሄር፣ ፈጺምካ እትኽወል፣ ነድርኻስ ከም ሓዊ ዚነድድ ክሳዕ መኣዝ እዩ፧

47 ህይወተይ ክንደይ ሓጻር ምዃና፣ ኵሎም ደቂ ሰብ ንኸንቱነት ከም ዝፈጠርካዮም ዘክር።

48 ሞት ከይረአየ ብህይወት ዚነብር፣ ንነፍሱስ ካብ ኢድ ሲኦል ዜናግፍ ሰብ መን እዩ፧

49 ጐይታየ፣ እቲ ብእምነትካ ንዳዊት ዝመሐልካሉ፣ ናይ ቀደም ጸጋኻ ኣበይ ኣሎ፧

50 ጐይታየ፣ ንጸርፊ ባሮትካ፣ ነቲ ኻብ ኵሎም ሓያላት ኣህዛብ ኣብ ልበይ ዝጾሮ ዘሎኹ ዘክር።

51 ጐይታየ፣ ጸላእትኻ ዚጸርፍዎ ጸርፊ፣ ነቲ ንኣሰር ቅቡእካ ዚጸርፍዎ ዘለዉ ዘክር።

52 እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይባረኽ። ኣሜን፣ ኣሜን።