ዳዊት 122

1 ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ፣ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ።

2 ዎ ኢየሩሳሌም፣ ኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቘይመን ኣለዋ።

3 ኣቲ ኢየሩሳሌም፣ ከም ንሓድሕዳ እተጋጠመት ከተማ ተሀነጽኪ።

4 እቶም ዓሌታት፣ ናይ እግዚኣብሄር ዓሌታት፣ ከምቲ ምስክር እስራኤል ንስም እግዚኣብሄር ኪውድሱ ናብኣ ይድይቡ።

5 ኣብኣ ዝፋናት ፍርዲ፣ ዝፋናት ቤት ዳዊት ተነቢሩ ኣሎ።

6 ንኢየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፣ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም።

7 ኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፡ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን።

8 ስለ ኣሕዋተይን ብጾተይን፣ ሰላም ይዅነልኪ፣ እብል።

9 ስለ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢለ፣ ሰናይኪ እደሊ ኣሎኹ።