ዳዊት 75

1 ነመስግነካ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነመስግነካ ኣሎና፣ ስምካ ቐረባ እዩ፣ ሰብ ንተአምራትካ የዘንትውዎ።

2 ነቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ረኸብክዎ፣ ቅኑዕ ክፈርድ እየ።

3 ምድርን ኣብአ ዚነብሩ ዅሎምን መኸኹ። ኣነ ነዕኑዳ ኣጽናዕኩ።

4 ነቶም ደፋራት፣ ኣይትድፈሩ፣ ንረሲኣንውን፣ ቀርንኹም ኣይተልዕሉ፣ በልክዎም።

5 ቀርንኹም ንላዕሊ ኣይተልዕሉ፣ ክሳድኩም ኣትሪርኩም ኣይትዛረቡ።

6 ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፣ ወይስ ካብ በረኻ ኣይኰነን ልዕልና ዚመጽእ፣

7 ኣምላኽ ደአ እዩ ፈራዲ፣ ነዚ የውርድ፣ ነቲ ልዕል የብል።

8 ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ዓፈርፈር ዚብል፣ እተሐዋወሰ ወይኒ ዝመልኤ ጽዋእ ኣሎ እሞ፣ ካብኡ ቐዲሑ ይዕድል፣ ብሓቂ፣ ኵሎም ረሲኣን ምድሪ ንሓተላኡ ኺጭልጥዎ እዮም።

9 ኣነ ግና ንዘለአለም እዚ ኸዘንቱ፣ ንአምላኽ ያእቆብ ምስጋና ኽዝምረሉ፣

10 ንብዘሎ ኣቕርንቲ ረሲኣንውን ክጕልዕሞ እየ፣ ኣቕርንቲ ጻድቃን ግና ልዕል ኪብል እዩ።