ዳዊት 78

1 ዎ ህዝበይ፣ ንሕገይ ጽን በሎ፣ ኣእዛንካ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን።

2 ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፣ ናይ ቀደም ምስጢራት እነግር ኣሎኹ፣

3 እቲ ዝሰምዕናዮን ዝፈለጥናዮን፣ ኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና፣

4 ካብ ውሉዶም ኣይንሐብኦን፣ ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተአምራቱን ደአ ንነግሮ።

5-8 እቲ ዚመጽእ ወለዶ፣ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፣ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፣ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ፣ ትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፣ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፣ ከም ኣቦታቶም፣ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፣ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፣ መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኮኑስ፣ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፣ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስ፣ ነቦታትና ኣዘዞም።

9 ውሉድ ኤፍሬም፣ ተዋጋእትን ወርወርትን፣ ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመልሱ።

10 ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉን፣ ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ፣

11 ንግብርታቱን ነቲ ዘርአዮም ተአምራቱን ረስዕዎ።

12 ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ፣ ኣብ መሮር ጾዓን፣ ተአምራት ገበረ።

13 ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፣ ንማይ ከም ኵምሪ ኣቘሞ።

14 መዓልቲ ብደበና፣ ምሉእ ለይቲውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።

15 ኣብ በረኻ ነኻውሕ ጨደዶ፣ ከም ካብ ዓሚቚ ባሕሪውን ብዙሕ ኣስተዮም።

16 ዓይኒ ማያት ካብ ከውሒ ኣውጽኤ፣ ንማይ ድማ ከም ውሒዝ ኣውሐዞ።

17 ግናኸ ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም፣ እናቐጸሉ በደልዎ።

18 ንትምኒቶም ዚብላዕ እናደለዩ፣ ብልቦም ንአምላኽ ፈተንዎ።

19-20 ንሳቶም፣ ኣምላኽሲ ኣብ በረኻ ደዀን መአዲ ኺሰርዕ ይኽእል እዩ፧ እንሆ፣ ማይ ክሳዕ ዚፍልፍል፣ ውሒዝ ክሳዕ ዚውሕዝሲ፣ ንኸውሒ ወቕዖ፣ ግናኸ እንጌራውን ኪህብ፣ ወይስ ንህዝቡ ስጋ ኺምህዝዶ ይከአሎ እዩ፧ ኢሎም ንአምላኽ ሐመይዎ።

21-22 ብአምላኽ ኣይአመኑን፣ ብምድሓኑውን ኣይተወከሉን እዮም እሞ፣ እግዚኣብሄር እዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፣ ኣብ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፣ ኣብ እስራኤልውን ቊጥዓ ወጸ።

23 ግናኸ ንሱስ ኣብ ላዕሊ ንደበና ኣዘዞ፣ መዓጹ ሰማይ ከኣ ከፊተ፣

24 ምእንቲ ኺበልዑ ድማ ማና አዝነመሎም፣ እኽሊ ሰማይውን ሀቦም።

25 ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዔ፣ ንምሉእ ጽጋብ ዚኸውን ምግቢ ሰደደሎም።

26 ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማይ ኣለዓዐለ፣ ብስልጣኑ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣምጽኤ።

27 ስጋ ኣብ ልዕሊኦም ከም ሓመድ፣ ነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑጻ ባሕሪ አዝነመሎም።

28 ኣብ ማእከል ሰፈሮም፣ ኣብ ዙርያ ድንኳኖም ኣውረደሎም።

29 በልዑን ኣዝዮም ጸገቡን፣ ትምኒቶምውን ሀቦም።

30 ትምኒቶም ገና ኸይወድኡ፣ ብልዖምውን ገና ኣብ ኣፎም ከሎ፣

31 መዓት ኣምላኽ ወረዶም፣ ካብ ስቡሓቶም ከኣ ቀተለ፣ ነጕባዝ እስራኤልውን ኣውደቖም።

32 ምስናይዚ እዚ ዅሉ መሊሶም በደሉ፣ ብተኣምራቱ ኸኣ ኣይአመኑን።

33 ስለዚ ንመዓልትታቶም ብኸንቱ፣ ንዓመታቶም ከኣ ብስምባድ ኣሕለፈን።

34 ኪቐትሎም ከሎ፣ ሽዑ ይደልይዎ ነበሩ፣ ተመሊሶም ከኣ፣ ኣንጊሆም ንአምላኽ ደለይዎ።

35 ኣምላኽሲ ኸውሖም፣ እቲ ልዑል ኣምላኽውን ተበጃዊኦም ምዃኑ ዘከሩ።

36 ብአፎም ኣቃባጠሩሉ፣ ብመልሓሶም ድማ ሐሰዉሉ።

37 ልቦም ናብኡ ኣይቀንዔን፣ ብኺዳኑውን እሙናት ኣይነበሩን።

38 ንሱ ግና መሓሪ ዀይኑ፣ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፣ ኣየጥፍኦምን ከኣ፣ ንዅራኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፣ ንዅሉ ቚጥዓኡ ድማ ኣይደርጐሖን።

39 ስጋ ምዃኖም፣ ሐሊፉስ ዘይትምለስ ትንፋስ ምዃኖም ዘከረ።

40 ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፣ ኣብ ጽምዋውን ዘጕሀይዎ።

41 ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፣ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ።

42-43 ንኢዱን ነታ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን፣ ትእምርቱ ኣብ ግብጺ፣ ተአምራቱ ኸኣ ኣብ መሮር ጾዓን ከም ዝገበረ፣ ኣይዘከሩን።

44 ምስታይ ምእንቲ ኺስእንዎስ፣ ንርባታቶምን ንፈሳሲ ማዮምን ናብ ደም ለወጦ።

45 ዚበልዕዎም ተናኸስቲ ጽንጽያን፣ ዜጥፍእኦም ቊርዖባትን ሰደደሎም።

46 ብቋልያኦም ንቓቔጣ፣ ፍረ ዕዮኦም ከኣ ነንበጣ ሀቦ።

47 ንወይኖም ብበረድ፣ ንዳዕሮኦም ከኣ በስሓይታ ኣጥፍኦ።

48 ከብቶም ንበረድ፣ መጓሲኦም ከኣ ንመባርቕ ኣሕሊፉ ሃበን።

49 ሓዊ ዅራኡ፣ ቊጥዓን ሓርቖትን ጸበባን፣ ጭፍራ መላእኽቲ እከይ፣ ኣውደቐሎም።

50 ንዅራኡ መገዲ ጸረገሉ፣ ህይወቶም ንፌራ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፣ ንነፍሶም ካብ ሞት ኣይነሐፋን።

51 ንብዘሎ በዅሪ ግብጺ ኸኣ፣ ነቶም በዅሪ ሓይሊ፣ ኣብ ድንኳናት ካም ወቕዖም።

52 ንህዝቡ ግና ከም ኣባጊዕ ኣንቀሎም፣ ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም።

53 ከይፈርሁስ ብደሓን መርሖም፣ ንጸላእቶም ግና ባሕሪ ደፊኖም።

54 ናብ ወሰን መቕደሱ፣ ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዘጥረየቶ ኸረን ኣብጽሖም።

55 ነህዛብ ከኣ ካብ ቅድሚኦም ሰጐጎም፣ ርስቲ ኪዀኖም ብዕጻ ኸፈሎም፣ ንነገዳት እስራኤል ኣብ ድንኳናቶም ኣሕደሮም።

56 ግናኸ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ፈተንዎን ተጻረርዎን፣ ምስክራቱውን ኣይሐለዉን።

57 ንድሕሪት ተመልሱ፣ ከም ኣቦታቶምውን ጠለሙ፣ ከም ጠላሚ ቐስቲ ተለውዩ።

58 ብዀረቢቶም ከኣ አዀረይዎ፣ ብተወቕረ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ።

59 ኣምላኽ ድማ ነዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፣ ንእስራኤልውን ኣዝዩ ነዐቖም።

60 ንማሕደሩ ኣብ ሲሎ፣ ነቲ ኣብ ማእከል ሰብ ተኺልዎ ዝነበረ ድንኳን ሐደጎ።

61 ሓይሉ ንምርኮ፣ ክብሩውን ናብ ኢድ ተጻራሪ ሀበ።

62 ንህዝቡ ድማ ኣደዳ ሰይፊ ገበሮ፣ ንርስቱውን ተቘጥዖ።

63 ነጕባዞም ሓዊ በልዖም፣ ደናግሎም ከኣ ጓይላ መርዓ ኣይረኸባን።

64 ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፣ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።

65 ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ።

66 ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም።

67 ንድንኳን ዮሴፍ ደርበያ፣ ንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሐረዮን፣

68 ንነገድ ይሁዳ፣ ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ።

69 ንቤት መቕደሱ ኸም ኵርባታት፣ ከምታ ንዘለአለም ዝሰረታ ምድሪ ገይሩ፣ ሀነጻ።

70 ንዳዊት ባርያኡ ሐርዩ፣ ካብ መጓሴታት ኣባጊዕ ወሰዶ።

71 ንህዝቡ ያእቆብን ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኺሕሉስ፣ ካብ ሓራሳት ኣባጊዕ ኣምጽኦ።

72 ብቕንዕና ልቡ ጓሰዮም፣ በእምሮ ኣእዳዉውን መርሖም።