ዳዊት 128

1 ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፣ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ።

2 ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፣ ብጹእ ኢኻ፣ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ።

3 ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም።

4 እንሆ፣ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ።

5 እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ኪባርኸካ፣ ኵለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሰናይ ኢየሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ።

6 ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።