ዳዊት 30

1 ንላዕሊ ስሒብካኒ፣ ንጸላእተይውን ብኣይ ኣየሐጐስካዮምን እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ልዕል ኤብለካ ኣሎኹ።

2 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ።

3 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውጻእካያ፣ ናብ ጒድጓድ ከይወርድሲ፣ ንህይወት ኣድሐንካኒ።

4-5 ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።

6 ኣነንከ ብራህዋይ፣ ከቶ ኣይከንደልህጽን እየ፣ በልኩ።

7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጎስካ ንኸረነይ ኣጽኒዕካዮ፣ ገጽካ ኸወልካዮ፣ ኣነውን ሰምበድኩ።

8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ አእውየ፣ ንእግዚኣብሄር ለሚነዮ፣ ከምዚ ኢለ፣

9 ናብ ጕድጓድ እንተ ወረድኩስ፣ ካብ ደመይ እንታይ ክትረብሕ ኢኻ፧ መሬትዶ ኺውድሰካ፣ ንሓቅኻስ ኪሰብኮ ድዩ፧

10 ዎ እግዚኣብሄር፣ ስማዕ እሞ ምሓረኒ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይ ኩን።

11-12 ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለአለም ክውድሰካ እየ።