ዳዊት 57

1 ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ፣ ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቊብ ኣላ እሞ፣ ምሐረኒ፣ እቲ መዓት ክሳዕ ዚሐልፍ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እኔኹ።

2 ናብ ልዑል ኣምላኽ፣ ናብቲ ዚፍጽመለይ ኣምላኽ ኤእዊ ኣሎኹ።

3 ንሱ፣ እቲ ወሓጥየይ፣ ኪጸርፈኒ ኸሎ፣ ካብ ሰማይ ልኢኹ ኼድሕነኒ እዩ፣ ጸጋኡን ሓቁን ኪልእኽ እዩ።

4 ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ እያ፣ ኣብ ማእከል እቶም ሓዊ ዚተፍኡ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻን፣ መላሕሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣሎኹ።

5 ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።

6 ንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻወዱለይ፡ ነፍሰይ ጐበጠት፡ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዐቱ፡ ኣብኡውን ወደቑ።

7 ልበይ ኣንቂዱ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ልበይ ኣንቂዱ፣ ክዝምርን ከመስግንን፣ እየ።

8 ክብረየ፣ ንቕሒ፣ በገናን መሰንቆን ንቕሑ፣ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።

9 ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።

10 ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት ዓብዪ፣ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣

11 ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።