ዳዊት 41

1 ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ፣ እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ።

2 እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን። ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተሕልፎን ኢኻ።

3 ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።

4 ጐይታየ፣ በዲለካ እየ እሞ፣ ምሐረኒ፣ ንነፍሰይ ኣሕውያ፣ በልኩ።

5 ጸላእተይ፣ መአዝ ኰን ኪመውት፧ መአዝሲ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፧ ኢሎም ብአይ ክፉእ ይዛረቡ ኣለዉ።

6 ሓደ እንተ በጽሓኒ፣ ብልግሚ ይዛረብ፣ ኣብ ልቡ ኽፍኣት ይእክብ፣ ምስ ወጸ ይዛረቦ።

7-8 ኵሎም ጸላእተይ ብአይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽኹ፣ ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ ኣሎ፣ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፣ ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ፣ እናበሉ ብአይ ክፉእ ይምህዙ ኣለዉ።

9 እወ፣ እቲ ዝእመኖ፣ እንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀናኡ ኣልዐለለይ።

10 ንስኻ ግና፣ ጐይታየ፣ ምሐረኒ፣ ክፈድዮም ከኣ ኣተንስአኒ።

11 ጸላእተይ እንተ ዘይተዐወተለይ፣ በዚ ንስኻ ኸም ዝበሀግካኒ እፈልጥ አሎኹ።

12 ንአይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለአለም ተንብረኒ ኣሎኻ።

13 እግዚኣብሄር፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ይባረኽ። ኣሜን፣ ኣሜን።