ዳዊት 42

1 እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ፣ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ትናፍቕ ኣላ።

2 ነፍሰይ ንአምላኽ፣ ነቲ ህያው ኣምላኽ፣ ትጸምእ ኣላ፣ መአዝ ኰን ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፧

3 ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧ ኪብሉኒ ኸለዉ፣ ለይትን መዓልትን ንብዓተይ ተቐለብኩ።

4 ኣነ ምስ ብዙሓት፣ ምስቶም ብድምጺ እልልታን ምስጋናን በዓል ዜብዕሉ ህዝቢ ኸይደ፣ ናብ ቤት ኣምላኽ እመርሖም ከም ዝነበርኩ፣ እናዘከርኩ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት።

5 ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጒህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።

6 ዎ ኣምላኸይ፣ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ ኣላ፣ ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፣ ካብ ኣኽራን ሄርሞን፣ ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ ኣሎኹ

7 ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ መዓሙቚ ንመዓሙቝ ይጽውዖ፣ ሸምቦታትካን ማዕበላትካን ዘበለ ብልዕለይ ሐለፈ።

8 እግዚኣብሄር ለውሃቱ ብመዓልቲ ይሰድድ፣ ብለይቲ ድማ መዝሙሩ ምሳይ ኣሎ፣ ንአምላኽ ህይወተይውን እልምን።

9 ኣነ ንአምላኽ፣ ከውሔይ፣ ንምንታይ ኢኻ ዝረሳዕካኒ፧ ንምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ ዝኸይድ፧ እብሎ ኣሎኹ።

10 ኵሉ መዓልቲ፣ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧ እናበሉ ተጻረርተይ ኣዕጽምተይ ከም ዝቕጥቀጥ ገይሮም ይጸርፉኒ።

11 ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።