ዳዊት 137

1 ኣብ ጥቓ ርባታት ባቢሎን ተቐመጥና፣ ንጽዮን ምስ ዘከርና በኼና።

2 መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኣ ዘሎ ዕቦላት ሰቐልና።

3 እቶም ዝማረኹና ናይ መዝሙር ቃላት ካባና ደለዩ፣ እቶም ሰቀይትናውን፣ ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘምሩልና፣ እናበሉ ኽንሕጐስ ለመኑና።

4 ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር፣

5 የሩሳሌመየ፣ እንተ ረሲዔክስ፣ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ።

6 እንተ ዘይዘኪረኪ፣ ንኢየሩሳሌም ከኣ ሓለፋ ዅሉ ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያስ፣ መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ።

7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም፣ ኣፍርሱ፣ ክሳዕ መሰረታ ኣፍርስዋ፣ ዝበሉ ደቂ ኤዶም ብመዓልቲ ኢየሩሳሌም ዘክሮም።

8 ኣቲ ኽትዐንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን፣ ሕነ እቲ ዝገበርክና ዚፈድየኪ ምስጉን እዩ።

9 ንሕጻናትኪ ሒዙ ኣብ ከውሒ ዚጭፍልቖም ምስጉን እዩ።