ዳዊት 83

1 ዎ ኣምላኽ፣ ስቕ ኣይትበል፣ ኣታ ኣምላኽ፣ ዓባስ ኣይትኹን፣ ዝግ አይትበል።

2 እንሆ፣ ጸላእትኻ የውክዑ፣ ዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ አለዉ እሞ፣

3 ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፣ ነቶም እትጋርዶም ድማ አብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም ኣለዉ።

4 ህዝቢ ኸይኰኑ፣ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፣ ንዑ ነጽንቶም፣ ይብሉ አለዉ።

5 ሐቢሮም፣ ተማኺሮም፣ ኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም እሞ፣

6 ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፣ ሞኣብን ኣጋራውያንን፣

7 ጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅን፣ ፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስ፣

8 ኣሶር ድማ ሐቢሮም፣ ንውሉድ ሎጥ ቅልጽም ኰይኖምዎም እዮም።

9 ከምቲ ንምድያን፣ ንሲሰራ፣ ንያቢን አብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።

10 ንሳቶም አብ ኤንዶር ጠፍኡ፣ ንምድሪ ኸኣ ድዅዒ ዀንዋ።

11-12 ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስ፣ ኢሎም አለዉ እሞ፣ ንኹቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፣ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮም።

13 ኣምላኸይ፣ ከም ህቦብላ፣ ከም ሓሰር አብ ቅድሚ ንፋስ ግበሮም።

14 ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፣ ሃልሃልታውን ነኽራን ዜቃጽሎ፣

15 ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፣ ብዘራጊቶኻ ድማ አሸብሮም።

16 ዎ እግዚአብሄር፣ ስምካ ኺደልዩስ፣ ንገጾም ነውሪ ምልኣዮ።

17 ንዘለአለም ይነውሩን ይሸበሩን፣ ይሕፈሩን ይጥፍኡን።

18 ንስኻ፡ ጐይታ ዝስምካ፡ በይንኻ አብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ።