ዳዊት 59

1 ኣምላኸየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፣ ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣብ እምባ ኣቚመኒ።

2 ካብ ገበርቲ እከይ ኣናግፈኒ፣ ካብ ደመኛታትውን ኣድሕነኒ።

3 እነዉ፣ ንነፍሰይ ይጻናተውዋ ኣለዉ እሞ፣ ጐይታየ፣ ብአበሳይን ሓጢኣተይን ኣይኰኑን ሓያላት ኪቃወሙኒ ሓቢሮም ዘለዉ።

4 ከይበደልኩስ ጐይዮም ይዳለዉ፣ ክትቅበለኒ ንቓሕ እሞ ርኤ።

5 ጐይታይ፣ ኣምላኽ ሰራዊት፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ንቓሕ እሞ ንዅሎም ኣህዛብ መዓት ኣውርደሎም፣ ካብቶም ጠለምቲ ገበርቲ እከይ ንሓደ እኳ ኣይትምሐር።

6 ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣ ኣብ ከተማውን ይዞሩ።

7 መንከ ዚሰምዕ ኣሎ፧ እናበሉ፣ እንሆ፣ ኣፎም ይግንፍል፣ ኣብ ከናፍሮም ኣስያፍ ኣሎ።

8 ግናኸ ጐይታየ፣ ንስኻ ኽትስሕቆም፣ ንዅሎም ኣህዛብ ከተባጭዎም ኢኻ።

9 እምባይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ኣባኻ ኣዕቊበ እኔኹ።

10 ኣምላኸይ ብሳህሉ ይቕበለኒ፣ ኣምላኽ ነቶም ጸላእተይ ብሓጐስ የርእየኒ።

11 ህዝበይ ከይርስዑስ ኣይትቕተሎም። ኣታ ጐይታና፣ ዋልታና፣ ብሓይልኻ ኣዀብልሎም እሞ ኣውድቆም።

12 ቃል ከናፍሮም ሓጢኣት ኣፎም እዩ፣ ስለቲ ዚዛረብዎ መርገምን ሓሶትን ብትዕቢቶም ይተሐንኰሉ።

13 ብዅራኻ ኣጥፍኣዮም፣ ኣምላኽ ካብ ያእቆብ ጀሚሩ ኽሳዕ ወሰናት ምድሪ ገዛኢ ምዃኑ ኺፈልጡስ፣ ከም ዘይርከቡ ጌርካ ኣጥፍኣዮም።

14 ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣ ኣብ ከተማውን ይዞሩ።

15 መብልዕ ደልዮም ይዛውኑ፣ ከይጸገቡ ኸኣ ይሐድሩ ኣለዉ።

16 ኣነ ግና ንሓይልኻ እዝምር፣ ንስኻ እምባ፣ ብመዓልቲ ጸበባውን መዕቈቢ ዄንካ ኢኻ እሞ፣ ንሳህልኻ ኣንጊሄ እልል እብል ኣሎኹ።

17 ኣምላኽሲ እምባይ፣ ኣምላኽ ምሕረተይ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ንኣኻ ምስጋና እዝምር ኣሎኹ።