ዳዊት 20

1 እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ፣ ስም ኣምላኽ ያእቆብ ልዕል የብልካ።

2 ካብ መቕደስ ረዲኤት ይስደደልካ፣ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ።

3 ንመስዋእቲ ብልዕኻ ዘበለ ይዘክሮ፣ ንመስዋእቲ ምሕራርካውን ይቀበሎ።

4 ነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካ፣ ንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ።

5 ብምንጋፍካ እልል ንብል፣ ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም ኣምላኽና ነልዕሎ፣ ንዂሉ ልማኖኻ እግዚኣብሄር ይፈጽሞ።

6 ንቕቡእ እግዚኣብሄር ከም ዜድሕኖ፣ ሕጂ ፈለጥኩ፣ ብናይ እታ የማነይቲ ሓይሊ ምድሓን ካብ ቅድስቲ ሰማዩ ኺመልሰሉ እዩ።

7 ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና።

8 ንሳቶም ደኒኖም ወዲቖም፣ ንሕና ግና ደልዲልና ንቐውም።

9 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንንጉስ ኣድሕኖ፣ በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ይስምዓና።