ዳዊት 7

1-2 ሰአን ዜናግፈኒ፣ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ኣዕቊበ እኔኹ፣ ካብ ኵላቶም ሰጐጕተይ ኣድሕነንን ኣናግፈንን።

3 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ከምኡ ገይረ እንተ ዀይነስ፣ ኣብ ኣእዳወይ ዓመጽ እንተ ኣልዩ፣

4 ነቲ ምሳይ ብሰላም ዝነበረ ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እኩይ እንተ ፈድየዮ፣ ኣነስ እባ ነቲ ብዘይ ምኽንያት ጸላኢ ዝዀነኒ ደአ ኣናገፍክዎ፣

5 እቲ ጸላኢ ንነፍሰይ ይስጐጓን የርክባን፣ ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻ፣ ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዶ።

6 ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ተንስእ፣ ኣብ ልዕሊ ነድሪ ተጻረርተይ ተለዐል፣ ንስኻ ፍርዲ ኣዘዝካ፣ ንረዲኤተይ ንቓሕ።

7 ማሕበር ህዝብታት ይኽበብካ፣ ኣብ ልዕሊኣ ኣብ በሪኽ ተመለስ።

8 እግዚኣብሄር፣ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ።

9 ንልብን ኰላሊትን እትምርምር ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፣ ንኽፍኣት ረሲኣን ኣጥፍኣዮ፣ ንጻድቕ ግና ኣጽንዓዮ።

10 ዋልታይ ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም የድሕኖም።

11 ኣምላኽሲ ጻድቕ ፈራዲ፣ ዕለተ ዕለት ዚዅሪ ኣምላኽ እዩ።

12 ሰብ እንተ ዘይተመልሰ፣ ሴፉ ስሒሉ፣ ቀስቱ ገቲሩ የዝግበሉ።

13 መሳርያ ሞት ድማ ኣዳለወሉ፣ ንፍላጻታቱ ኣርሰኖ።

14 እንሆ፣ ንእከይ የቕለሉ፣ ሕሰም ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ።

15 ጒድጓድ ኵዒቱስ ኣዕመቛ፣ ናብታ ዝዀዐታ ጕድጓድውን ወደቐ።

16 ክፍኣቱ ናብ ርእሱ ኺምለስ፣ ዓመጻኡውን ናብ ቅርቅርቱ ኺወርድ እዩ።

17 ንእግዚኣብሄር ከም ጽድቁ ኸመስግኖ፣ ነቲ ልዑል፣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ክዝምረሉ እየ።