ዳዊት 124

1 እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፣ ይበል እስራኤል፣

2 እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር፣ ሰብ ኪትንስኡና ኸለዉ፣

3 ሓርቖቶም ኣብ ልዕሌና ኺነድድ ከሎ፣ ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሐጡና፣

4 ሽዑ ማያት መጥሐለና፣ ውሒዝ ብልዕሊ ነፍስና ምወሐዘ፣

5 ሽዑ ዕቡይ ማያት ብልዕሊ ነፍስና ምሐለፈ ነይሩ።

6 እቲ ንምንጫቶ ኣስናኖም ክንከውን ዘይወፈየና እግዚኣብሄር ይባረኽ።

7 ነፍስና ኸም ዑፍ ካብ መፈንጠራ ሃዳናይ ኣምለጠት፣ መፈንጠራ ተበትከ፣ ንሕናውን ኣምለጥና።

8 ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ።