ዳዊት 106

1 ሃሌሉያ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱውን ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ አመስግንዎ።

2 ንግብርታት ሓይሊ እግዚኣብሄር ኪዛረቦ፣ ንብዘሎ ምስጋናኡስ ኪነግሮ መን ይኽእል፧

3 ፍርዲ ዚሕልዉ፣ ኵሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም።

4-5 ጐይታየ፣ በቲ ንህዝብኻ ዝሀብካዮ ጸጋ ዘክረኒ፣ ጣዕሚ ሕሩያትካ ኽርኢ፣ ብሓጐስ ህዝብኻ ኽሕጐስ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ኽኸብርሲ፣ ብምድሓንካ ብጽሓኒ።

6 ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፣ በደልና፣ ግፍዒ ገበርና።

7 ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንተኣምራትካ አየስተውዐልዎን፣ ንብዝሒ ጸጋኻ ኣይዘከርዎን፣ ኣብ ባሕሪ፣ ኣብቲ ባሕሪ ኤርትራ፣ ዐለዉ።

8 ንሱ ግና ስልጣኑ ምእንቲ ኼፍልጥሲ፣ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሐኖም።

9 ንባሕሪ ኤርትራ ገንሓ እሞ ነቐጸት፣ ከም ብበረኻ ድማ ብዓሚቚ መርሖም።

10 ካብ ኢድ ተጻራሪኦም ኣድሐኖም፣ ካብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ተበጀዎም።

11 ንተጻረርቶም ከኣ ማያት ደፈኖም፣ ካብኦም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

12 ሽዑ ንቓላቱ አመኑ፣ ምስጋናኡ ዘመሩ።

13 ንተግባሩ ቐልጢፎም ረስዕዎ፣ ንምኽሩ ኣይተጸበይዎን።

14 አብ በረኻ ኣዝዮም ተመነዩ፣ ኣብቲ ጽምዋ ንእግዚኣብሄር ፈተኑ።

15 ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሀቦም፣ ግናኸ ንነፍሶም ዕብራን ለአኸሎም።

16 ኣብቲ ሰፈር ንሙሴን ንኣሮን፣ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስን፣ ቀንኡሎም።

17 ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሐጠቶ፣ ንወገን ኣቢራም ከኣ ደፈነቶ።

18 ሓዊ አብ ማእከል ወገኖም ነደደ፣ ሃልሃልታ ንረሲኣን ወሐጦም።

19 አብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፣ ንዝፈሰሰ ምስሊ ኸኣ ሰገዱሉ።

20 ክብረቶም ንምስሊ ሳዕሪ ዚበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።

21-22 አብ ግብጺ ዓብዪ ተግባር፣ ኣብ ሃገር ካም ተኣምራት፣ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዜፍርህ ነገር ዝገበረ ኣምላኽ፣ መድሓኒኦም፣ ረስዕዎ።

23 ሽዑ ኼጥፍኦም ደልዩ ተዛረበ፣ ግናኸ ሙሴ፣ እቲ ሕሩዩ፣ ከየጥፍኦም ቊጥዓኡ ምእንቲ ኺመልስ፣ አብ ቅድሚ ገጹ አብ ማእከል ቈመ።

24 ነታ ፍትውቲ ሃገር ነዐቑ፣ ብቓሉውን ኣይአመኑን።

25 አብ ድንኳናቶም ኣጕረምረሙ፣ ንድምጺ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይሰምዕዎን።

26-27 ሽዑ ኢዱ ናብኦም ኣልዒሉ፣ አብ በረኻ ኼውድቖም፣ ንዘርኦም ከኣ አብ ማእከል ኣህዛብ ኬውድቖም፣ አብ ሃገራትውን ፋሕ ኬብሎም መሐለ።

28 ምስ በዓል ጴኦር ሐበሩ፣ መስዋእቲ ምውታት ከኣ በልዑ።

29 ብግብርታቶም ከኣ ኣዀረይዎ፣ መዓትውን ወረዶም።

30 ሽዑ ፊንሃስ ተንሲኡ ፍትሒ አውጽኤ፣ እቲ መዓት ድማ ዛረየ።

31 እዚ ኸኣ ንሓዋሩ፣ ንውሉድ ወለዶ ጽድቂ ኰይኑ ተቘጽረሉ።

32 ኣብ ማይ መሪባ ድማ ኣዀረይዎ፣ ሙሴውን ብሰሮም ተጐድኤ።

33 ንመንፈሱ አንጸርጺሮምዎ ነበሩ እሞ፣ ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ።

34-35 ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ፣ ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞም፣ ነህዛብ ኣየጽነትዎምን።

36 ንጣኦታቶም ኣገልገሉ፣ ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም።

37 አወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም።

38 ንጹህ ደም፣ ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፣ ኣፍሰሱ፣ ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፣ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት።

39 በዚ ከምዚ ብተግባሮም ረኸሱ፣ ብግብርታቶም ከኣ ኣመንዘሩ።

40 ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር አብ ህዝቡ ነደደ፣ ንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ።

41 አብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሀቦም፣ እቶም ዝጸልእዎም ድማ መለኽዎም።

42 ጸላእቶም ከኣ ጠቕዕዎም፣ አብ ትሕቲ ኣእዳዎም ድማ ተዋረዱ።

43 ብዙሕ ጊዜ ኣናገፎም፣ ንሳቶም ግና ብምኽሮም ዐለዉ፣ ብኣበሳኦምውን ተዋረዱ።

44 ኣውያቶም ምስ ሰምዔ ኸኣ፣ ጸበባኦም ረአየ።

45 ንኺዳኑ ድማ ዘከረሎም፣ ብመጠን ብዝሒ ሳህሉውን ራሕርሓሎም።

46 ኣብ ቅድሚ ዅሎም ማረኽቶም ከኣ ሞገስ ሀቦም።

47 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፣ ንቅዱስ ስምካ ኽንውድሶ፣ ብምስጋናኻውን ክንምካሕሲ፣ ኣናግፈናን ካብ ማእከል ኣህዛብ ኣክበናን።

48 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ይባረኽ። ኵሉ ህዝቢውን ኣሜን ይበል። ሃሌሉያ።