ዳዊት 11

1 ኣብ እግዚኣብሄር ኣዕቊበ ኣሎኹ፣ ከመይ ደአ ንነፍሰይ፣ ከም ዑፍ ናብ ከረንኪ ህደሚ፣ እትብልዋ፧

2 ንቕኑዓት ልቢ ብጸልማት ምእንቲ ኺውርውሩሎም፣ እንሆ፣ ረሲኣን ቀስቶም ይግትሩ፣ ንፍላጻኦም ኣብ መንትግ የዝግብዎ።

3 መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደአ፣ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፧

4 እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ፣ ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ፣ ኣዒንቱ ይጥምታ፣ ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም ኣለዋ።

5 እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፣ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም።

6-7 እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ወጽመድ ኬዝንም፣ ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።