ዳዊት 74

1 ዎ ኣምላኽ፣ ስለምንታይ ንሓዋሩ ደርቤኻና፧ ንምንታይከ ነድርኻ ኣብ ኣባጊዕ መጓሴኻ ይተክኽ፧

2 ነታ ኻብ ጥንቲ ዘጥሬኻያ፣ ዓሌት ርስትኻ ኽትከውን እተበጆኻያ ማሕበር፣ ነታ ዝሐደርካያ ኸረን ጽዮን ዘክር።

3 ኣእጋርካ ናብታ ናይ ዘለአለም ዑና አልዕል፣ እቲ ጸላኢ ኣብ መቕደስ ንዅሉ ኣበላሽይዎ ኣሎ።

4 ተጻረርትኻ ኣብ ማእከል ማሕበርካ ጨዲሮም፣ ንምልክቶም ምልክት ገይሮም ኣቘምዎ።

5 ከምቶም ማሕጸ ኣብ ብርቱዕ ዱር ዜልዕሉ ሰብ ይመስሉ።

6 ንብዘሎ ቕርጺ ህንጻታቱ ብማሕጸን ብመዶሻን ገይሮም ኣድቂቖምዎ።

7 ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ፣ ንማሕደር ስምካ ኽሳዕ መሰረታ ኣርኪሶምዋ እዮም።

8 ብልቦም፣ ሐቢርና ነጥፍኣዮም፣ በሉ፣ ንዅለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኣባይቲ ማሕበር ኣምላኽ ኣንዲዶምወን።

9 ምልክትና ኣይንርእን፣ ነብዪ የሎን፣ ክሳዕ መአዝ ምዃኑ ዚፈልጥ የብልናን።

10 ዎ ኣምላኽ፣ እቲ ተጻራሪ ኽሳዕ መኣዝ ኪጸርፍ፧ ጸላእስ ንሓዋሩ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፧

11 ስለምንታይ ኢድካ፣ ነታ የማነይቲኻ፣ ንድሕሪት እትመልሳ፧ ካብ ትሽትሽካ ኣውጺእካ ኣጥፍኣዮም።

12 ግናኸ እቲ ኣብ ማእከል ምድሪ ግብርታት ምድሓን ዚገብር ዘሎ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ።

13 ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፣ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ።

14 ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ፣ ነቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ፣ ምግቢ ኪዀኖም፣ ሀብካዮም።

15 ዓይኒ ማያትን ምንጭን ኣፈልፈልካ፣ ነቲ ዅሉ ጊዜ ዚውሕዝ ርባታት ኣንቀጽካዮ።

16 መዓልቲ ናትካ እያ፣ ለይቲውን ናትካ እያ፣ ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን።

17 ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፣ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።

18 ጸላኢ ንእግዚኣብሄር ከም ዝጸርፎ፣ ዓሻ ህዝቢውን ንስምካ ከም ዝነዐቖ ዘክር።

19 ነፍሲ ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣይትሀብ፣ ህይወት መሳኺንካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ።

20 እቲ ዘጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ግፍዒ መሊኡ ኣሎ እሞ፣ ኪዳንካ ጠምት።

21 እቲ ጥቑዕ ሐፊሩ ኣይመለስ፣ መስኪንን ድኻን ስምካ ይባርኹ።

22 ዎ ኣምላኽ፣ ተንስእ፣ ነገርካ ግበር፣ ዓሻ ጽርፍ ከም ዚውዕለካ ዘክር።

23 ድምጺ ተጻረርትኻ ኣይትረስዕ፣ ጭድርታ እቶም ዓለውትኻ ዅሉ ጊዜ ይለዐል ኣሎ።