ዳዊት 43

1 ዎ ኣምላኽ፣ በይነለይ፣ ምስቲ ምሕረት ዜብሉ ህዝቢ ተማጐተለይ፣ ካብ ሓሳውን ዓማጽን ሰብ ኣድሕነኒ።

2 ኣምላኽ ሓይለይ ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለምንታይ ደርቤኻኒ፧ ስለምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ እኸይድ ኣሎኹ፧

3 ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።

4 ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፣ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሳይን ክአቱ እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኸየ፣ ብበገና ኸመስግነካ እየ።

5 ነፍሰይ፣ ስለምንታይ ትጕህዪ፧ ስለምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።