ዳዊት 12

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ደጊ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፣ ኣድሕን።

2 ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፣ ብዜቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ ኣለዉ።

3-4 እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃባጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፣ ነቶም፣ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣሎና፣ ከናፍርና ናትና እየን፣ መን እዩኸ ጐይታና፧ ዚብሉን ኪምንቊሶም እዩ።

5 ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቖውን ምድሓን ከምጽአሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

6 ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ።

7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ክትሕልዎም፣ ካብዚ ወለዶ እዝስ ንዘለአለም ክትዕቅቦም ኢኻ።

8 ብልሽውነት ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ልዕል እንተ በለ፣ ረሲኣን ኣብ ኵሉ ወገን ይዞሩ።