ዳዊት 35

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ዚበአሱኒ ተብአሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግኣዮም።

2 ዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ፣ ንምርዳኤይ ተንስእ።

3 ኵናት ኣምበጥብጥ፣ መገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾ፣ ንነፍሰይ፣ ምድሓንኪ ኣነ እየ፣ በላ።

4 ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩን፣ ጥፍኣተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን።

5 ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ የባርሮም።

6-7 ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጎም።

8 ብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮ፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሐዞ፣ ንጥፍኣቱ ናብኣ ይውደቕ።

9 ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ።

10 ኣዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚሕይሎ፣ ንመስኪንን ድኻን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣ ንኣኻ ዚመስልከ መን አሎ፧ ኪብላ እየን።

11 ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦም፣ ዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ፣

12 ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዮኒ፣ ነፍሰይ ዘኽቲማ ኣላ።

13 ኣነስ፣ እንተ ሐመሙ፣ ከሊ ተኸደንኩ፣ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ።

14 ፈታውየይን ሓወይን ከም ዝነበረ ገይረ ተመላለስኩ፣ ብወላዲቱ ኸም ዚበኪ ደኒነ ሐዘንኩ።

15 እንተ ሐንከስኩ ግና፣ ሐቢሮም ባህ በሎም፣ ክፉኣት ሐበሩለይ፣ ኣይፈለጥኩን ከኣ፣ ቀደዱኒ ኣይሓደጉንንውን፣

16 ምስቶም ግቡዛት ዋዘኛታት ኰይኖም፣ ኣስናኖም ሐርቀሙለይ።

17 ጐይታየ፣ ክሳዕ መአዝከ ነዚ ኽትጥምቶ ኢኻ፧ ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣቶም፣ ነታ ቐንደይ ካብ ኣናብስ ኣናግፋ።

18 ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ።

19 ነቶም ብኸምኡ ዚጻረሩኒ ብኣይ ኣይተሐጕሶም፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒውን በዒንቶም ኣይጣቐሱለይ።

20 ሰላም ኣይዛረቡን እዮም እሞ፣ ነቶም ርጉኣት እታ ሃገርሲ ጥልመት ይምህዙሎም ኣለዉ።

21 ኣፎም ናባይ ሃህ ኣቢሎም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዓይንና ረአየቶ፣ ይብሉ ኣለዉ።

22 ዎ እግዚኣብሄር፣ ርኢኻዮ ስቕ ኣይትበል፣ ጐይታየ፣ ካባይ ኣይትርሓቕ።

23 ዎ ኣምላኸይ ጐይታይውን፣ ንመሰለይ ንቓሕ፣ ንነገረይ ድማ ተንስእ።

24 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣምላኸይ፣ ከም ጽድቅኻ በይነለይ፣ ብአይ ድማ ኣይተሐጕሶም።

25 ብልቦም፣ ኣሰይ፣ ድሌትና ዀነ፣ ኣይበሉ፣ ወሐጥናዮ፣ ኣይበሉ።

26 ነቶም ብጸገመይ ዚሕጐሱ ዅሎም ኣሕቢርካ ኣሕፍሮምን ኣነውሮምን፣ እቶም ዚዕበዩለይ ውርደትን ነውርን ይልበሱ።

27 እቶም ንጽድቀይ ዚፈትዉ እልል ይበሉን ይተሐጐሱን፣ ኵሉ ጊዜውን፣ ናይ ባርያኡ ሰላም ዚፈቱ ጐይታ ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ።

28 መልሓሰይ ድማ ጽድቅኻ፣ ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ።