ዳዊት 99

1 እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ኣህዛብ ይርዐዱ፣ አብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ፣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ።

2 እግዚኣብሄር አብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፣ አብ ኵሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ።

3 ቅዱስ እዩ እሞ፣ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን ስምካ የመስግንዎ።

4 ሓይሊ ንጉስ ድማ ፍርዲ ይፈቱ እዩ፣ ንስኻ ቕንዕና አጽናዕካ፣ ፍርድን ጽድቅን አብ ቤት ያእቆብ ገበርካ።

5 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል አብልዎ፣ ቅዱስ እዩ እሞ፣ አብ ድኳ እግሩ ስገዱ።

6 ሙሴን ኣሮንን አብ ማእከል ካህናቱ፣ ሳሙኤል ከኣ አብ ማእከል እቶም ስሙ ዚጽውዑ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፣ ንሱውን መለሰሎም።

7 ብዓንዲ ደበና ተዛረቦም፣ ንምስክራቱን ነቲ ዝሀቦም ሕግን ሐለዉ።

8 እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንስኻ መለስካሎም፣ ይቕረ እትብል ኣምላኽ ኰንካዮም፣ ግናኸ ስለ ኽፉእ ግብሮም ሕነ ፈዴኻዮም።

9 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል አብልዎ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፣ አብ ቅዱስ ከረኑውን ስገዱ።