ዳዊት 80

1 ዎ ጓሳ እስራኤል፣ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፣ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።

2 አብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን ስልጣንካ አተንስእ፣ ንምድሓንናውን ንዓ።

3 ዎ ኣምላኽ፣ ምለሰና፣ ክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና።

4 ዎ እግዚአብሄር፣ ኣምላኽ ሰራዊት፣ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ብጸሎት ህዝብኻ እትዅሪ፧

5 እንጌራ ንብዓት አብላዕካዮም፣ ብመስፈር ከኣ ንብዓት ኣስቴኻዮም።

6 ንጐረባብትና መካትዒኦም ትገብረና ኣሎኻ፣ ጸላእትናውን የላግጹልና ኣለዉ።

7 ዎ ኣምላኽ ሰራዊት፣ ምለሰና፣ ክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና።

8 ጕንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፣ ኣህዛብ ሰጒጕካውን ተኸልካያ።

9 አብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ፣ ሱር ሰደደት ምድሪውን መልኤት።

10 ኣኽራን ብጽላላ ተኸድኑ፣ ጨናፍራ ድማ ከም ጽሕድታት ኣምላኽ ነበሩ።

11 ጨናፍራ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ውልዶታታ ኸኣ ክሳዕ እቲ ርባ ዘርግሔት።

12 ኵሎም ሐለፍቲ መገዲ ኪቕንጥብዋስ፣ ስለምንታይከ ሓጹራ ዘፍረስካ፧

13 ናይ ዱር መፍለስ ይፍልሳ፣ እንስሳ መሮርውን ይጓሰይዋ አለዉ።

14-15 ዎ አምላኽ ሰራዊት፣ ተመለስ፣ ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ርኤ፣ እንሆ ኸኣ ነዛ ወይንን፣ ነዛ የማነይትኻ ዝተኸለታ ኦምን፣ ነቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ጨንፈርን ብጽሓዮም።

16 ብሓዊ ነዲዳ ተበትከት። ብተግሳጽ ገጽካ ይጠፍኡ ኣለዉ።

17 ኢድካ አብ ልዕሊ እቲ ናይ የማነይትኻ ሰብኣይ፣ አብ ልዕሊ እቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ወዲ ሰብ ትኹን።

18 ሽዑ ኻባኻ ኣይክንርሕቕን ኢና፣ ህይወት ሀበና፣ ብስምካውን ክንምህለል ኢና።

19 ዎ እግዚአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ምለሰና፣ ክንድሕን ድማ ገጽካ አብርሃልና።