ዳዊት 146

1 ሃሌሉያ። ነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ።

2 ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፣ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።

3 ብመሳንፍቲ፣ በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።

4 ትንፋሱ ይወጽእ፣ ናብ መሬት ይምለስ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።

5 ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ፣ ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ።

6 ንሰማይን ምድርን፣ ንባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ፣ ንሓቂ ኽሳዕ ዘለአለም ዚሕሉ፣

7 ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም፣ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፣ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም።

8 እግዚኣብሄር ነዒንቲ ዕውራት ይኸፍተን፣ እግዚኣብሄር ንዝደነኑ የቕንዖም፣ እግዚኣብሄር ንጻድቃን የፍቅሮም፣

9 እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቊቦም፣ እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይአልዮም፣ ንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ።

10 እግዚኣብሄር ንዘለአለም ይነግስ፣ ዎ ጽዮን፣ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ይነግስ። ሃሌሉያ።