ዳዊት 2

1 ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ፣ ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሓስቡ፧

2-3 ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፣ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም፣ ንመቓውሖም ንስበሮ፣ ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፣ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ።

4 እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም፣ ጐይታ የላግጸሎም።

5 ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም፣ ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም፣

6 ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ፣ ይብል።

7 እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር ኣሎኹ፣ እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።

8 ኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒ።

9 ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣ ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ።

10 እምበአርሲ ኣቱም ነገስታት፣ ለብሙ፣ ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፣ ተአረሙ።

11 ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ።

12 ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፣ ከይዅሪ፣ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፣ ንወዱ ስዐምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።