ዳዊት 125

1 እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ፣ ንዘለአለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።

2 ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ኣኽራን ኣሎ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለአለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።

3 ስለዚ ጻድቃን ኣእዳዎም ናብ ዓመጻ ኸይዝርግሑስ፣ በትሪ ረሲእነት ኣብ ርስቲ ጻድቃን ኣይነበርን እዩ።

4 ጐይታየ፣ ንሰናያትን ንቕኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም።

5 ነቶም ናብ ጥውጥዋይ መገዶም ዜግልሱ ግና እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ እከይ ኪሰዶም እዩ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።