ዳዊት 141

1 ጐይታየ፣ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፣ ቀልጢፍካ ምጸኒ፣ ክጽውዓካ ኸሎኹ ንድምጸይን ጽን በሎ።

2 ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፣ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።

3 ጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ።

4 ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፣ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፣ ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ።

5 ጻድቕ ይውቅዓኒ፣ ለውሃት እዩ፣ ይዝለፈኒ፣ ዘይቲ ርእሲ እዩ፣ ርእሰይ ኣይእበዮ፣ ጸሎተይ ገና ብእከዮም እዩ።

6 ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉ፣ ቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኺሰምዑ እዮም።

7 ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚትልሞን ዚሐርሶን፣ ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ።

8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታየ፣ ኣዒንተይ ናባኻ እየን፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፣ ንነፍሰይ ኣይትኽዐዋ።

9 ካብቲ ዜጻውዱለይ መጻወድያን ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይን ሐልወኒ።

10 ኣነ ኽሐልፍ ከሎኹስ፣ ረሲኣን ኣብ መጻወድያኦም ይውደቑ።