ዳዊት 56

1 ኵሉ መዓልቲ ሰልፈኛታት የጨንቑኒ፣ ኪውሕጡኒ ይደልዩ ኣለዉ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ።

2 ብትዕቢት ዚዋግኡኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ኵላ መዓልቲ ተጸናተውተይ ኪውሕጡኒ ይደልዩ።

3 በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል።

4 ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ፧

5 ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይካራኸርዎ፣ ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ።

6 ተአኪቦም የድብዩለይ፣ ነፍሰይ ይደልዩ እዮም እሞ፣ ስጉምተይ ይስልዩ ኣለዉ።

7 ብበደሎምዶ ኺድሕኑ እዮም፧ ዎ ኣምላኽ፣ ብዅራኻ ነህዛብ ኣውድቆም።

8 ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧

9 በታ ዘእውየላ መዓልቲ ጸላእተይ ንድሕሪት ኪምለሱ እዮም። ኣምላኽ ምሳይ ከም ዘሎ፣ እዚ እፈልጥ ኣሎኹ።

10 ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኤመስግኖ ኣሎኹ።

11 ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧

12-13 ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ ኣሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።