ዳዊት 110

1 ጐይታ ንጐይታይ፣ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ አብ የማነይ ተቐመጥ፣ በሎ።

2 እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፣ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ።

3 በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፣ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ።

4 እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለአለም ካህን ኢኻ፣ ኢሉ መሐለ ኣይጠዓስን ከኣ።

5 እግዚኣብሄር አብ የማንካ ዀይኑ፣ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ንነገስታት ኪጭፍልቖም፣

6 አብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድ፣ ብሬሳታት ኪመልኦ፣ ርእሲ ርሒብ ሃገር ኪጭፍልቕ።

7 አብ መገዲ ኻብ ወሓዚ ኺሰቲ፣ ስለዚ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ።