ዳዊት 60

1 ዎ ኣምላኽ፣ ደርቤኻና፣ ፋሕ ኣበልካና፣ ኰሬኻ። ምለሰና።

2 ንምድሪ ኣንቀጥቀጥካያ፣ ተርተርካያ፣ ትናወጽ ኣላ እሞ፣ ጭዳዳ ጸግን።

3 ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርኤኻዮ፣ ሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቴኻና።

4 ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም።

5 ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ። ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና።

6 ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፣ ኣነ ኽዕወት፣ ንሴኬም ክመቕሎ፣ ንለሰ ሱኮትውን ብመስፈሪ ኽሰፍሮ እየ።

7 ጊልኣድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ ኸኣ ናተይ እዩ። ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፣ ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ።

8 ሞአብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ፣ ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ። ዎ ፍልስጥኤም፣ እልል በልለይ።

9 ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፧ ናብ ኤዶምሲ መን ኰን ይመርሓኒ፧

10 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና፧ ንስኻ ዎ ኣምላኽ፣ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፧

11 ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፣ ካብቲ ተጻራሪ ርድአና።

12 ብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።