ዳዊት 66

1 ኵሉኹም ሃገራት፣ ንኣምላኽ እልል በሉሉ፣

2 ንኽብሪ ስሙ ዘምሩ፣ ንውዳሴኡ ኽብሪ ሀቡ።

3 ንኣምላኽ ከኣ፣ ግብርታትካ ኽንደይ ዜፍርህ እዩ፣ ጸላእትኻ ሳላ ዕቤት ስልጣንካ ኣቃባጢሮም ይግዝኡኻ፣ በልዎ።

4 ኵላ ምድሪ ኽትሰግደልካ ኽትዝምረልካውን እያ፣ ንስምካ ኽትዝምር እያ።

5 ንዑ፣ ኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ርአዩ፣ ግብርታቱ ንደቂ ሰብ ዜፍርህ እዩ።

6 ንባሕሪ ንቑጽ ምድሪ ገይሩ ለወጦ፣ ንወሓዚ በእጋሮም ሰገርዎ፣ ሽዑ ብእኡ ተሐጐስና።

7 ብስልጣኑ ንዘለአለም ይገዝእ፣ ኣዒንቱ ናብ ኣህዛብ ይምልከታ። ዓለወኛታት ርእሶም ኣየልዕሉ።

8-9 ኣቱም ኣህዛብ፣ ነቲ ንነፍስና ብህይወት ዘንበረ፣ ኣእጋርና ኼንደልህጻውን ዘይፈቐደ ኣምላኽና ባርኽዎ፣ ድምጺ ውዳሴኡ ኣስምዑ።

10 ዎ ኣምላኽ፣ ተዐዚብካና ኢኻ እሞ፣ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና።

11 ናብ መርበብ ኣእቶኻና፣ ኣብ ሕቜና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና።

12 ብልዕሊ ርእስና ሰባት ኣሳገርካ፣ ብሓውን ብማይን ሐለፍና፣ ንስኻ ግና ናብ ራህዋ ኣውጻእካና።

13-14 መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦ፣ ጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ።

15 ካብ ስቡሓት ኣባጊዕ ምስ ዕጣን ደዓውል ገይረ፣ መስዋእቲ ምሕራር ከቕርበልካ እየ። ኣብዑርን ዲቤላታትን ክስውኣልካ እየ።

16 ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርሁ ዅሉኹም፣ ንዑ፣ ንነፍሰይ ዝገበረላ ኸዘንትወልኩምሲ፣ ስምዑ።

17 ብአፈይ ናብኡ ኣእዌኹ፣ ምስጋናውን ኣብ ትሕቲ መልሐሰይ ነበረ።

18 ኣብ ልበይ እኩይ ሀቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ።

19 ግናኸ ኣምላኽ ብሓቂ ሰሚዑኒ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ኣቕሊቡሉ እዩ።

20 እቲ ንጸሎተይ ዘይነዐቐ፣ ጸጋኡውን ዘየርሐቐለይ ኣምላኽሲ ይባረኽ።