ዘሌዋውያን 20

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

2 ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ዝህብ፡ ሞት ይሙት፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ።

3 መቕደሰይ ኬርክስን ቅዱስ ስመይ ከኣ ኬሕስር፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፡ ኣነ ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽመልስ፡ ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቕሶ እየ።

4 እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሎኽ ኪህብ ከሎ፡ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከይቐትልዎ ኣዒንቶም እንተ ዐመቱ፡

5 ሽዑ ኣነ ናብቲ ሰብኣይ እትን ናብ ቤተ ሰቡን ገጸይ ክመልስ እየ፡ ንእኡን ነቶም ምስ ሞሎኽ ኪምንዝሩ ብምንዝርና ዚስዕብዎ ዂሎም ድማ ካብ መንጎ ህዝቦም ክምንቊሶም እየ።

6 ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጎልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ አነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።

7 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ስለዚ ንስኻትኩም ተቐደሱ ቅዱሳት ድማ ኩኑ።

8 ሕጋጋተይ ሓልዉ፡ ግበርዎዉን። ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

9 ዝዀነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ፡ ሞት ይሙት። ነቦኡን ነዲኡን ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።

10 ኣብ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፡ ኣብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ሞት ይሙቱ።

11 ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፡ ሕፍረት ኣቦኡ ቐልዔ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ። ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

12 ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቀሰ ሰብ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ። ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

13 ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

14 ሓደ ሰብ ድማ ጓልን ኣዲኣን እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ርኽሰት ኣብ ማእከልኩም ከይርከብሲ፡ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይንደዱ።

15 ሰብ ከኣ ምስ እንስሳ ብስጋ እንተ ተራኸበ፡ ሞት ይሙት፡ ነታ እንስሳውን ቅተልዋ።

16 ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኽቦ ኢላ ናብ ገለ እንስሳ እንተ ቐረበት፡ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተሎም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

17 ሰብ ከኣ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ እንተ ኣእተወ፡ ሕፍረታ ድማ እንተ ረአየ፡ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ረአየት፡ እዚ ነውሪ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ህዝቦም ይመንቈሱ። ንሱ ሕፍረት ሓብቱ ቐሊዑ እዩ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ።

18 ሰብ ከኣ ምስ በዓልቲ ጻግነ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረታውን እንተ ቐልዔ፡ ፈልፋሊኣ ቐልዔ፡ ንሳ ኸኣ ፈልፋሊ ደማ ቐልዔት፡ ስለዚ ኽልቲኦም ካብ ማእከል ህዝቦም ኪምንቄሱ እዮም።

19 ሕፍረት ሓትኖኻን ኣሞኻን ኣይትቅላዕ። ሕፍረት ቀረባ ስጋኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ክፍኣቶም ኪጾሩ እዮም።

20 ሰብ ድማ ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኡ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረት ሓው ኣቦኡ ቐልዔ፡ ሓጢኣቶም ይጹሩ፡ ሓድጊ ዜብሎም ይሙቱ።

21 ሰብ ከኣ ሰበይቲ ሓዉ እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ሕፍረት ሓዉ ቐልዔ፡ ሓድጊ ዜብሎም ይኹኑ።

22 እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍኣኩምሲ፡ ኲሉ ሕጋጋተይን ኲሉ ፍርድታተይን ሐልዉን ግበሩን።

23 ብኣመል እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺዱ፡ እዚ ዂሉ ገይሮም እዮም እሞ፡ ፈንፈንክዎም።

24 በልኩኹም ድማ፥ ንስኻትኩም ምድሮም ክትርስተዩ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ እታ ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ ንርስቲ ኽህበኩም እየ። ካብ ህዝብታት ዝፈሌኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

25 እምብኣርሲ ኣብ መንጎ ንጹሃትን ርኹሳትን እንስሳ፡ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ንጹሃትን ኣዕዋፍ ድማ ፍለዩ፡ በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈሌኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብልን፡ ንነፍሳትኩም ኣይተርክሱ።

26 ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳን ኩኑለይ፡ ናተይ ክትኰኑ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ።

27 ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙት፡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።