ዘሌዋውያን 4

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥

2 ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ሓደ ሰብ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር፥ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሩ ብዘይ ፍልጠት ሓጢኣት እንተ ገበረ፡

3 እቲ እተቐብኤ ኻህን እንተ ዀይኑ ሓጢኣት ዝገበረ፡ እሞ በዚ ነቲ ህዝቢ በዳሊ እንተ ገበሮ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ጐደሎ ዜብሉ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።

4 ነቲ ዝራብዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽኣዮ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ።

5 እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብ ድንኳን ምርኻብ የእትዎ።

6 እሞ እቲ ኻህን ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፡ ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ መቕደስ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ።

7 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምኡዝ ዕጣን ይግበር። ኲሉ ደም እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ።

8 ካብቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኲሉ ስብሒ፥ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን የልዕል፡

9 ድማ ክልቲኤን ኲሊትን እቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኣብ ጥቓ ዀለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል፡

10 ከምቲ ኻብ ዝራብዕ መስዋእቲ ምስጋና ዚለዐል፡ ነዚ እቲ ኻህን ኣብ መሰውኢ ምሕራር የሕርሮ።

11 ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኲሉ ስጋኡን ምስናይ ርእሱን መሓውሩን ናውቲ ኸብዱን ፈርሱን፡

12 እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ጽርይቲ ቦታ፡ ናብታ ሓመዂስቲ ዚጐሐፋ የምጽኣዮ። ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ ገይሩ ብሓዊ የሕርሮ። ኣብታ ሓመዂስቲ ዚጐሐፋ ይሕረር።

13 ብዘሎ እቲ ኣኼባ እስራኤል እንተ ሰሐተ፡ እቲ ነገር ከኣ ካብ ኣዒንቲ ማሕበር እንተ ተኸወለ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር፥ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ዂሉ፡ ሓደ ብምግባሮም እንተ በደሉ፡

14 እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈለጠ፡ እታ ማሕበር ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ተቕርብ፡ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ተምጽኣዮ።

15 እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፡ እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሐረድ።

16 እቲ እተቐብኤ ኻህን ድማ ካብ ደም ዝራብዕ ናብ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ፡

17 እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ናብ ቅድሚ መጋረጃ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ።

18 ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ንዂሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ።

19 ንኹሉ እቲ ስብሒ ድማ ካብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ።

20 እዚ ነቲ ዝራብዕ ይግበር፡ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከም ዝገበሮ፡ ነዚ ኸኣ ከምኡ ይግበሮ። ከምኡ እቲ ኻህን የተዐርቆም፡ ሽዑ ይሕደገሎም።

21 ነቲ ዝራብዕ ድማ ካብቲ ሰፈር ንወጻኢ የውጽኣዮ፡ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘሕርሮ፡ የሕርሮ። እዚ ናይቲ ኣኼባ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።

22 ሓደ ሹም ከኣ ከይፈለጠ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሩ በዲሉ እንተ ሓጥኤ፡

23 እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ድማ እንተ ተፈለጦ፡ ንመስዋእቱ ኻብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዜብሉ ድቤላ የምጽእ።

24 ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ የንብር፡ ኣብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ዚሐርዱላ ቦታ ኸኣ ይሕረዶ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።

25 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ ይውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራርውን ይግበሮ። ነቲ ደሙ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ።

26 ንዂሉ እቲ ስብሑ ድማ፡ ከምቲ ንስብሒ መስዋእቲ ምስጋና ዚግበር፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ሓጢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።

27 ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓንቲ ነፍሲ፡ ከይፈለጠት ካብቲ እግዚኣብሄር፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞስ ሓደ ብምግባራ በዲላ እንተ ሓጥኤት፡

28 እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ እንተ ተፈለጦ፡ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ መስዋእቱ ጐደሎ ዜብላ ኣንስተይቲ ጤል የምጽእ።

29 ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ነታ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብ ቦታ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ይሕረዳ።

30 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደማ በጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር፡ ንዂሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይኽዐዎ።

31 ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዚፍለ ስብሒ፡ ንዂሉ እቲ ስብሒ ይፍለ፡ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።

32 ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ገንሸል እንተ ኣምጽኤ ኸኣ፡ ጐደሎ ዜብላ ኣንስተይቲ የምጽእ።

33 ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ኣብታ ዚሐርር መስዋእቲ ዚሐርዱላ ቦታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዳ።

34 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር። ንዀሉ ደማ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይኽዐዎ።

35 ከምቲ ኻብ ገንሸል መስዋእቲ ምስጋና ዚፍለ ስብሒ፡ ንዂሉ እቲ ስብሒ ይፍለ እሞ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።