ዘሌዋውያን 10

1 ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡ ጸጽንሃሆም ሐዙ፡ ሓዊ ድማ ገበሩሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕጣን ኣንበሩሉ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።

2 ሓዊ ኻብ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸኣ በልዖም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ሞቱ።

3 ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፥ በቶም ዚቐርቡኒ ክቕደስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ ክኸብር እየ፡ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ እዚ እዩ፡ በሎ። ኣሮን ድማ ትም በለ።

4 ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልሳፋንን፡ ደቂ ኡዚኤል፡ ሓው ኣቦ ኣሮን፡ ጸዊዑ፥ ቅረቡ እሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰፈር ውሰድዎም፡ በሎም።

5 ንሳቶም ድማ ቀረቡ እሞ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ ካብ ሰፈር ንወጻኢ ብቐማውሾም ጾርዎም።

6-7 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፥ ዘይቲ ቕብኣት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ፡ ነዚ ኣኼባውን ንሱ ኸይኲርየሉ፡ ርእስኹም ኣይተወይፉ፡ ክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ። በዚ እግዚኣብሄር ዘቃጸሎ ንምዳድ ኣሕዋትኩም ብዘላ ቤት እስራኤል ትብከ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ፡ በሎም። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸኣ ገበሩ።

8 እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥

9-11 ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኲሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸሎኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።