መሳፍንቲ 9

1 ኣቢሜሌክ ወዲ የሩብ-በዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸደ እሞ፡ ንኣታቶምን ንዅሎም ዓሌት ቤት ኣቦ ኣዲኡን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡

2 በጃኹም ንዅሎም ሰብ ሴኬም ኣብ ኣእዛኖም፡ ሰብዓ ሰብ፡ ኵሎም ደቂ የሩብ-በዓል ኪገዝኡኹምዶ ወይስ ሓደ ሰብኣይ ኪገዝኣኩም፡ ኣየናይ ይሔሸኩም፧ ኣነ ኸኣ ዓጽምኹምን ስጋኹምን ከም ዝዀንኩ ዘክሩ፡ በልዎም።

3 እቶም ኣኮታቱ ኸኣ እዚ ነገርዚ ዅሉ ንዅሎም ሰብ ሴኬም ኣብ ኣእዛኖም ተዛረቡሉ። ንሱ ሓውና እዩ ኢሎም ድማ፡ ልቦም ናብ ኣቢሜሌክ ዘንበለ።

4 ካብ ቤት በዓል-በሪት ድማ ሰብዓ ሲቃል ብሩር ሀብዎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ደድሕሪኡ ዚስዕቡ ከንቱነታት ቀለልቲ ሰባት ተዋዓዐለ።

5 ናብ ቤት ኣቦኡ ኣብ ዖፍራ መጺኡ ነሕዋቱ፡ እቶም ደቂ የሩብ-በዓል፡ ሰብዓ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተሎም። ዮታም እቲ ንእሽቶ ወዲ የሩብ-በዓል ግና፡ ተሐቢኡ ነበረ እሞ፡ ተረፈ።

6 ዅሎም ሰብ ሴኬምን ብዘላ ቤት ሚሎን ተአከቡ፡ ከይዶም ከኣ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሓወልቲ ኣንገስዎ።

7 ንዮታም እዚ ምስ ነገርዎ፡ ናብ ርእሲ ኸረን ጌሪዚም ከይዱ ኣብኡ ደው በለ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ጨደረ እሞ በሎም፡ ኣቱም ሰብ ሴኬም፡ ኣምላኽ ኪሰምዓኩምሲ ስምዑኒ።

8 ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ እሞ፡ ነውልዕ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ።

9 እቲ ኣውልዕ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ኣምላኽን ሰባትን ኣባይ ዜኽብርዎ ዘይተይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም።

10 ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ፡ ንስኻ ንዓ እሞ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ።

11 እቲ በለስ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም።

12 እቶም ኣእዋም ንወይኒ ድማ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ።

13 እቲ ወይኒ ኸኣ፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሐጕስ ወይነይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም።

14 ሽዑ ዅሎም ኣእዋም ንእሾዅ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ።

15 እቲ እሾዅ ድማ፡ ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኩም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ፡ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ፡ እንተ ዘይኰነስ ድማ፡ ካብቲ እሾዅ ሓዊ ይውጻእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮ፡ በሎም።

16 ሕጂ ኸኣ ንኣቢሜሌክ ብምንጋስኩምሲ ብሓቅን ብቕንዕናን እንተ ጌርኩምዎ፡ ንየሩብ-ብዓልን ንቤቱን ድማ ጽቡቕ እንተ ጌርኩም፡ ከም ግብሪ ኢዱ ከኣ እንተ ጌርኩምሉ፡

17 ኣቦይሲ ምእንታኹም ተዋግኤ፡ ነፍሱ ኣሕሊፉ ሂቡ ድማ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሐነኩም።

18 ንስኻትኩም ግና ሎሚ ናብ ቤት ኣቦይ ተንሲእኩም ንደቁ፡ ሰብዓ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐቲልኩምሲ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ግዝእቱ፡ ሓውኹም ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ።

19 እምበኣርሲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንየሩብ-በዓልን ንቤቱን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም እንተ ዄንኩም፡ ብኣቢሜሌክ ተሐጐሱ፡ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሐጐስ።

20 እንተ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውጻእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎን ይብላዕ፡ ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከኣ ሓዊ ይውጻእ እሞ ንኣቢሜሌክ ይብልዓዮ።

21 ዮታም ድማ ካብ ቅድሚ ሓዉ ኣቢሜሌክ ጐይዩ ሀዲሙ ናብ ብኤር ከደ፡ ኣብአ ኸኣ ተቐመጠ።

22 ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝኤ።

23 ኣምላኽ ከኣ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን ሰብ ሴኬምን ሕሱም መንፈስ ሰደደ እሞ፡ ንኣቢሜሌክ ዐለውዎ።

24 እዚ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ የሩብ-በዓል እተገብረ ግፍዒ ምእንቲ ኺፍደ፡ ደሞም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ኢዱ ዘጽንዑሉ ሰብ ሴኬምን ምእንቲ ኪኸውን እዩ።

25 እቶም ሰብ ሴኬም ድማ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድብቕ ኣንበሩሉ፡ ንሳቶም ከኣ ንዅሎም ብእኡ ዚሐልፉ ሰብ መገዲ ይኸትሩ ነበሩ። እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።

26 ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን ድማ መጺኦም ናብ ሴኬም አተዉ፡ ሰብ ሴኬም ከኣ ብእኡ ተአመኑ።

27 ናብ ግርሁ ድማ ወፈሩ፡ ወይኖም ቈሪጾም ከኣ ጾመቑ፡ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፡ ናብ ቤት ኣምላኾም አትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን፡ ንኣቢሜሌክውን ረገምዎ።

28 ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ በለ፡ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧ ሴኬምከ መን እዩ፧ ዜቡል ዝምስሌነኡ ወዲ የሩብ-በዓል ደይኰነን፧ ንስኻትኩምሲ ንሰብ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ደአ ተገዝኡ፡ ንሕና ንእኡ እንታይ ኢልና ንግዝኦ፧

29 እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ትሕቲ ኢደይ እንተ ዚኸውን መን ምሀበ፡ ንኣቢሜሌክ ምሰጐጕክዎ ነይረ። ንኣቢሜሌክ ከኣ፡ ሰራዊትካ ኣብዝሕ እሞ ውጻእ፡ በሎ።

30 ዜቡል፡ ሹም እታ ኸተማ፡ ዘረባ ጋዓል ወዲ ዔበድ ምስ ሰምዔ፡ ኵራኡ ነደደ።

31 ናብ ኣቢሜሌክ ከኣ ብተንኰል ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፡ ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን እንሆ፡ ናብ ሴኬም አትዮም፡ ነዛ ኸተማ ናባኻ የተንስኡልካ ኣለዉ።

32 ሕጂ ኸኣ፡ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተንሲእካ፡ ኣብ መሮር ተደበቕ።

33 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኣንጊህካ ተንስእ እሞ፡ ነዛ ኸተማ ሓደጋ ውደቃ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱን ምስኡ ዘሎ ህዝብን ምስ ወጹኻ፡ ሽዑ ኢድካ ኸም ዝረኸበቶ ግበሮም።

34 ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ብለይቲ ተንሲኦም ኣርባዕተ ኽፍሊ ዀይኖም ኣብ ሴኬም ተደበቑ።

35 ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ ወጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በለ፡ ኣቢሜሌክ ከኣ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ምድባቑ ተንስኤ።

36 ጋዓል ድማ ነቲ ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ንዜቡል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ኣኽራን ይወርድ ኣሎ፡ በሎ። ዜቡል ከኣ፡ ንኣኻ ሰብ መሲሉ ዚርአየካ ዘሎ ጽላሎት ኣኽራን እዩ፡ በሎ።

37 ጋዓል ድማ መሊሱ፡ እንሆ፡ ካብ ማእከል እታ ሃገር ህዝቢ ይወርድ ኣሎ፡ ሓደ ጭፍራ ኸኣ ብመገዲ ድዋ ጠንቈልቲ ኣቢሉ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ ተዛረበ።

38 ሽዑ ዜቡል፡ እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧ ዝበልካዮ፡ ሕጂ ደኣ ኣፍካ ኣበይ ኣሎ፧ እዚ እቲ ዝነዐቕካዮ ህዝብዶ ኣይኰነን፧ እምበኣር ሕጂ ወጺእካ ተዋግኣዮ፡ በሎ።

39 ጋዓል ድማ ንሰብ ሴኬም መሪሕዎም ወጸ እሞ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግኤ።

40 ኣቢሜሌክ ግና ሰጐጎ እሞ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ፡ ክሳዕ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ።

41 ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፡ ዜቡል ከኣ ንጋዓልን ነሕዋቱን ኣብ ሴኬም ከይቕመጡ ሰጐጎም።

42 ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እቲ ህዝቢ ናብ ግርሁ ወጸ፡ እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።

43 ነቲ ህዝቢ ወሲዱ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ኣብ መሮር ከኣ ድብቕ ኣንበረ። እንሆ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኺወጽእ ምስ ረአየ፡ ተንስኦም ቀተሎም ድማ።

44 ኣቢሜሌክን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ጭፍራታትን ጐይዮም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በሉ። እቶም ክልተ ጭፍራ ኸኣ ጐይዮም ነቶም ኣብ ግርሁ ዝነበሩ ዅሎም ወድእዎም።

45 ኣቢሜሌክ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመልኣ ነታ ኸተማ ተዋግኣ፡ ነታ ኸተማ ሒዙ ድማ ኣብኣ ንዝነበረ ህዝቢ ቐተለ። ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ ኸኣ ጨው ዘርአላ።

46 እቶም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ዅሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ዕርዲ ቤት ኤል-በሪት ኣተዉ።

47 ኵሎም ሰብ ግምቢ ሴኬም ከም እተአከቡ፡ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።

48 ሽዑ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብ ከረን ጻልሞን ደየበ። ኣቢሜሌክ ድማ ማሕጸ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቈረጸ፡ ኣልዒሉ ኸኣ ኣብ መንኵቡ ገበሮ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ከምዚ ኣነ ኽገብሮ ዝርኤኹምኒ ቐልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ፡ በሎም።

49 ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ከምኡ ጨጨንፈሩ ቘረጸ፡ ንኣቢሜሌክ ስዒቦም ድማ ናብቲ ዕርዲ ኣንበርዎ፡ ነቲ ዕርዱ ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ኣንደድዎ። ኵሎም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ኣስታት ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ሞቱ።

50 ኣቢሜሌክ ድማ ናብ ቴቤጽ ከደ እሞ ንቴቤጽ ሰፈራ ሓዛ ኸኣ።

51 ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ድማ ጽኑዕ ግምቢ ነበረ፡ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኵሎም ሰብ እታ ኸተማ ናብኡ ሀደሙ፡ ኣብ ውሽጡውን ተዐጽዉ፡ ናብ ናሕሲ እቲ ግምቢ ኸኣ ደየቡ።

52 ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግምቢ መጺኡ ተዋግኦ፡ ብሓዊ ኼንድዶ ኸኣ፡ ናብ ደገ እቲ ግምቢ ቐረበ።

53 ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣቢሜሌክ መዲድ ሰንዲዳ፡ ቀረቀራኡ ጨፍለቐቶ።

54 ሽዑ ነቲ ጐበዝ ጋሻ ዛግሬኡ ቐልጢፉ ጸዊዑ፡ ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፡ ሴፍካ መሲትካ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጐበዝውን ወግኦ፡ ሞተ ኸኣ።

55 እቶም ሰብ እስራኤል ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ስፍራኡ ኸደ።

56 ኣቢሜሌክ ነቶም ሰብዓ ኣሕዋቱ ብምቕታሉ እቲ ነቦኡ ኽፉእ ዝገበሮ፡ ኣምላኽ ከምኡ ናብኡ መለሰሉ።

57 ኵሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፡ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ዮታም ወዲ የሩብ-በዓል ከኣ ኣብ ረርእሶም በጽሔ።