መሳፍንቲ 21

1 እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ ኣብ ሚጽጳ፡ ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዕዋ፡ ኢሎም ምሒሎም ነበሩ።

2 እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤት-ኤል መጹ፡ ኣብኣ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐመጡ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ፡

3 ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ኪጐድልሲ፡ እዚ ስለምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል ዝዀነ፧ ድማ በሉ።

4 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረጉ።

5 ደቂ እስራኤል ድማ፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይድይብ ሞት ይሙት፡ ኢሎም ጽኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ናብ ማሕበር፡ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ፧ በሉ።

6 ደቂ እስራኤል ከኣ ብሓዎም ብንያም ተጣዒሶም፡ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ተቘሪጹ።

7 ንሕና ኻብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣንስቲ ኺረኽቡስ፡ እንታይ ንግበረሎም፧ በሉ።

8 ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይደየበ መን እዩ፧ በሉ። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ያቤሽ-ጊልዓድ ናብ ሰፈር፡ ናብታ ማሕበር ሓደ እኳ ኣይመጸን።

9 እቲ ህዝቢ ተቘጽረ እሞ እንሆ፡ ካብቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩስ፡ ሓደ እኳ ኣብኡ ኣይነበረን።

10 ሽዑ እቲ ኣኼባ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም፡ ኬድኩም ነቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩ ምስናይ ኣንስትን ሕጻናትን ብስሕለት ሴፍ ቅተልዎም።

11 እትገብርዎ ነገር ከኣ እዚ እዩ፡ ንዅሉ ተባዕታይን ኵለን ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ንዚፈልጣ ኣንስተን ቅተሉ፡ ኢሎም ድማ ኣዘዝዎም።

12 ካብቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃሰን ሰብኣይ ዘይፈልጣ ደናግል ኣዋልድ ረኸቡ። ንሳቶም ከኣ ንኣታተን ናብ ሰፈር፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ኣምጽእወን።

13 ኵሉ እቲ ኣኼባ ድማ ናብቶም ኣብ ከውሒ ሪሞን ዘለዉ ደቂ ብንያም ልኢኾም ናይ ሰላም ኣዋጅ ነገርዎም።

14 በታ ጊዜ እቲኣ ብንያም ተመልሰ። እተን ካብ ኣንስቲ ያቤሽ-ጊልዓድ ብህይወት ዝሐደግወን ኣንስቲ ኸኣ ሀብዎም፡ ግናኸ ኣይኣኸላኦምን።

15 እቶም ህዝቢ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ነቓዕ ስለ ዝገበረ፡ ብብንያም ተጣዕሱ።

16 እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጸኒተን እየ እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣንስቲ ኺረኽቡስ፡ እንታይ ንግበር፧ በሉ።

17 ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ከይድምሰስሲ፡ እዞም ካብ ብንያም ድሒኖም ዘለዉ፡ እቲ ርስቶም ይሐዙ።

18 ደቂ እስራኤል፡ እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዚህብ ርጉም ይኹን፡ ኢሎም ምሒሎም እዮም እሞ፡ ንሕናስ ካብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን፡ ድማ በሉ።

19 ኣብታ ንቤት-ኤል ብሰሜና፡ ነታ ኻብ ቤት-ኤል ንሴኬም እተደይብ መገዲ ብምብራቕ፡ ንለቦናውን ብደቡባ ዘላ ሺሎ፡ እንሆ፡ በዓል እግዚኣብሄር ኣብ ዐዓመት ይግበር ኣሎ፡ ድማ በሉ።

20 ንደቂ ብንያም ከኣ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተደበቑ።

21 እንሆ ኸኣ፡ እተን ኣዋልድ ሺሎ እናሳዕሳዓ ኺወጻ ምስ ርኤኹም፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይንታት ወጺእኩም፡ ካብተን ኣዋልድ ሺሎ ነፍሲ ወከፍኩም ሰበይቱ ይዘርፍ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ከኣ ኺዱ።

22 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኪጠርዑ እንተ መጹ፡ ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቱ ኣይወሰድናሉን እሞ፡ ብለውሃት ንኣታተን ሃቡና፡ ሕጂ ድማ በደልቲ ኸይትኾኑ ንኣታተን ንስኻትኩም ኣይሀብኩምዎምን፡ ንብሎም።

23 እቶም ደቂ ብንያም ከምኡ ገበሩ፡ ካብተን ዚስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፡ ከምቲ ቚጽሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከዱ እሞ ናብ ርስቶም ተመልሱ፡ ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣባታተን ተቐመጡ።

24 ደቂ እስራኤል ከኣ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብኡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ነገዱን ናብ ዓሌቱን ከደ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ነናብ ርስቱ ወጸ።

25 በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ይገብር ነበረ።