2ይ ሳሙኤል 24

1 ኲራ እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ኣብ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከኣ፡ ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቊጸሮም፡ ኢሉ ነቕነቖ።

2 ንጉስ ከኣ ንዮአብ፡ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት፡ ቊጽሪ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ዜርካ ነቲ ህዝቢ ቚጸሮ፡ በሎ።

3 ዮአብ ድማ ንንጉስ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ዘለዎ ይወስኮ፡ ከምቲ ዘለዎ ኸኣ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ፡ ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ ድማ ይርአዮ። ግናኸ ጐይታይ ንጉስ ነዚ ነገር እዚ ስለምንታይ ደለዮ በሎ።

4 እቲ ቓል ንጉስ ግና ኣብ ዮአብን ኣብቶም ሓላቑ ሰራዊትን ጸንዔ። ዮአብን እቶም ሓላቑ ሰራዊትን ከኣ ንህዝቢ እስራኤል ኪቘጽሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወጹ።

5 ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፡ ኣብ ዓሮዔር፡ ኣብ የማን እታ ኣብ ማእከል ርባ ጋድ ዘላ ኸተማ፡ ንያዕዜር ኣቢሎም ሰፈሩ።

6 ናብ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ናብ ምድሪ ታሕቲም-ሖድሺ አተዉ፡ ናብ ዳን-ያዓን መጺኦም ከኣ፡ ናብ ዙርያ ሲዶን ኣበሉ።

7 ናብ ዕርዲ ጢሮስን ናብ ኲለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነኣናውያንን መጹ፡ ናብ ደቡብ ይሁዳ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ወጹ።

8 ንብሃገራ ዞይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ ኢየሩሳሌም መጹ።

9 ዮኣብ ድማ ጽሕፈት እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንንጉስ ሀቦ። እምበእርሲ ኣብ እስራኤል ሴፍ ዚመዙ ሓያላት ሰብ ሾሞንተ ሚእቲ ሽሕ ኰኑ፡ ሰብ ይሁዳ ኸኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ኰነ።

10 ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈጸሮ ግና፡ ልቡ ወቕዖ። ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር፡ በዚ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፡ ብዙሕ ከኣ ዐሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ በጃካ፡ ነቲ ኣበሳ ባርያኻ ኣርሕቆ፡ በሎ።

11 ዳዊት ንጉስ ምስ ተንስኤ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ጋድ፡ ናብቲ ናይ ዳዊት ረአዪ መጺኡ በሎ፡

12 ኪድ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር፡ ሰለስተ ነገር ኤንብረልካ ኣሎኹ፡ ካብኤን ንኣኻ ሓንቲ ሕረ፡ ክገብረልካ ኸኣ እየ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ተዛረቦ።

13 ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ ኣብ ሃገርካ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጸካዶ፡ ወይ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትሀድም፡ ንሳቶም ከኣ ኪሰጉኻዶ፡ ወይስ ኣብ ሃገርካ ሰለስተ መዓልቲ ፌራ ኪከውንዶ፡ ሕጂ ነቲ ዝለአኸኒ እንታይ ከም ዝመልሰሉ፡ ኣስተውዒልካ ርኤ፡ ኢሉ ነገሮ።

14 ዳዊት ንጋድ፡ ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ደአ ንወድቕ እምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕን፡ በሎ።

15 ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር- ሸባዕ፡ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ።

16 እቲ መልኣኽ ንኢየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርግሔ ድማ፡ እግዚኣብሄር በቲ ኽፉእ ተጣዕሰ፡ ነቲ ህዝቢ ዜጥፍእ መልኣኽ ከኣ፡ ይአክል፡ ሕጅስ ኢድካ ምለሳ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊ ነበረ።

17 ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዚወቅዕ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረአዮ፡ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ እየ ዝበደልኩ፡ ኣነ ኸኣ እየ ኽፉእ ዝገበርኩ፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ በጃኻ፡ ኢድካ ናባይን ናብ ቤት ቦይን ትኹን፡ በለ።

18 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ጋድ ናብ ዳዊት መጹኡ፡ ደይብ፡ ኣብ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊ፡ ንእግዚኣብሄር መሰውኡ ኣቚም፡ በሎ።

19 ዳዊት ድማ ከምቲ ዘረባ ጋድ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ደየበ።

20 ኣራውና ኸኣ ቊሊሕ በለ፡ ንጉስን ገላዉኡን ድማ ናብኡ ኺመጹ ረአየ። ኣራውና ኸኣ ወጺኡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።

21 ኣራውና ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ናብ ጊልያኡ መጺኡ ዘሎ፡ በለ። ዳዊት ከኣ፡ እዚ መቕዘፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኺኽልክል፡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሓሉ፡ ነዚ ዓውዲ ኻባኻ ኽሻየጥ እየ፡ በለ።

22 ኣራውና ድማ ንዳዊት፡ ጐይታይ ንጉስ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ወሲዱ የዕርግ፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣብዑር፡ ንዕጨይቲ ኸኣ ሰረገላታትን ናውቲ ማሕረስ ኣብዑርን እነዉ፡

23 ዎ ንጉስ፡ እዚ ዂሉ ኣራውና ንንጉስ ሂብዎ እዩ፡ በለ። ኣራውና ድማ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደአ ይቀበልካ፡ በሎ።

24 ንጉስ ግና ንኣራውና፡ ኣይፋል፡ ዋጋ ዜብሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዚሐርር መስዋእቲ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብዋጋኡ ደአ ኻባኻ ኽሻየጦ እደሊ ኣሎኹ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ሲቃል ብሩር ዐደጎም።

25 ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረገሉ። እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሃገር ተለመና፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ካብ እስራኤል ተኸልከለ።