2ይ ሳሙኤል 2

1 ኰነ ከኣ፡ ድሕርዚ ዳዊት፡ ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓንቲዶ ኽድይብ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይብ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ናብ ኣየነይቲ ኽድይብ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ናብ ኬብሮን፡ በለ።

2 ሽዑ ዳዊትን ክልቲ ኤን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል፡ ሰበይቲ ናባል ብዓል ቄርሜሎስን፡ ኰይኖም ናብኣ ደየቡ።

3 ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ፡ ኣደየቦም፡ ኣብ ከተማታት ኬብሮን ከኣ ተቐመጡ።

4 ሰብ ይሁዳ ድማ መጺኦም ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኺነግስ ኣብኣ ቐብእዎ። ሽዑ፡ ንሳኦል ዝቐበርዎ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ እዮም፡ ኢሎም ንዳዊት ነገርዎ።

5 ዳዊት ድማ ናብ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ ልኡኻት ሰዲዱ በሎም፡ ንጐይታኹም ንሳኦል ብምቕባርኩም እዚ ምሕረት እዚ ስለ ዝገበርኩምሉ፡ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም።

6 ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ምሕረትን እምነትን ይግበር። ኣነ ድማ ስለ እዚ ዝገበርኩምዎ ነገር ጽቡቕ ክገብረልኩም እየ።

7 ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩ፡ ግናኸ ንኣይ ቤት ይሁዳ፡ ንጉሶም ክኸውን፡ ቀቢኦምኒ እዮም፡ እምበርአርሲ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ።

8 ኣብኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ወሲዱ፡ ናብ ማሓናዪም ኣሳገሮ፡

9 ኣብ ልዕሊ ጊልዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ይዝርኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ።

10 ኢሽ-በሸት ወዲ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ክልተ ዓመት ከኣ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ጥራይ ደድሕሪ ድዊት ሰዐበት።

11 እቲ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ዝነገሰሉ ዘበን ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ወርሕን እዩ።

12 ኣብኔር ወዲ ኔርን ገላዉ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን ድማ ካብ ማሓናዪም ናብ ጊብዖን ወጹ።

13 ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ገላዉ ዳዊትን ከኣ ወጺኦም ኣብ ቀላይ ጊብዖን ንሓድሕዶም ተራኸቡ። እዚኣቶም ነቲ ቐላይ በዚ ሓደ ወገኑ፡ እቲኣቶም ከኣ ነቲ ቐላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ።

14 ሽዑ ኣብኔር ንዮኣብ፡ በጃኻ እዞም መንእሰይ ይተንስኡ እሞ፡ ኣብ ቅድሜና ይጻወቱ፡ በሎ። ዮኣብ ከኣ፡ ይተንስኡ፡ በለ።

15 ሽዑ ተንሲኦም ብቚጽሪ ናይ ብንያምን ናይ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን ዓሰርተው ክልተ ሐለፋ።

16 ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ብጻዩ ኣጽኒዑ ሒዙ ሴፍ ኣብ ጐድኒ ብጻዩ ሸኸተ፡ ተተሓሒዞም ከኣ ብሓደ ወደቑ። ስለዚ እታ ቦታ ሔልቃት-ሃጹሪም ተባህለት፡ ንሳ ኣብ ጊብዖን እያ ዘላ።

17 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ ኣዝዩ በርትዔ፡ ኣብኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ።

18 ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ጽሩያ ዮኣብን ኣቢሻይን ዓሳሄልን ነበሩ። ዓሳኤል ከኣ ከምታ ኣብ መሮር ዘላ ሶስሓ እግሩ ፈኲሽ ነበረ።

19 ዓሳሄል ድማ ደድሕሪ ኣብኔር ሰዐበ፡ ደድሕሪ ኣቤር ንምሶኣብ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣየግለሰን።

20 ሽዑ ኣብኔር ገጹ መሊሱ፡ ንስኻ ዓሳሄል ዲኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ።

21 ኣብኔር ድማ፡ ንየማንካ ወይ ንጸጋምካ ኣቢልካ ኣግልስ እሞ፡ ንሓደ መንእሰይ ሒዝካስ ኣጽዋሩ ውሰድ፡ በሎ። ዓሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ኬግልስ ኣይፈተወን።

22 ኣብኔር ድማ ከም ብሓድሽ ንዓሳኤል፡ ካብ ምስዓበይ ኣግልስ፡ ስለምንታይ ናብ ምድሪ ዘጣብቐካ፡ ደሓርከ ኸመይ ገይረ ገጸይ ናብ ሓውካ ዮኣብ ከልዕል እየ፡ በሎ።

23 ንሱ ግና ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣብኔር ብሓንካሾ ዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፡ እቲ ዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፡ እቲ ዂናት ብድሕሪኡ ወጸ፡ ኣብኡ ወዲቑ ኸኣ ሞተ። ኰነ ድማ፡ ናብታ ዓሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመጸ ዘበለ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ።

24 ዮኣብን ኣቢሻይን ግና ንኣብኔር ሰጐጒዎ። ኣብታ ኣብ መገዲ በረኻ ጊብዖን፡ ኣብ መንጽር ጊያሕ ዘላ ዂርባ ኣማ ምስ በጽሑ፡ ጸሓይ ዐረበት።

25 ደቂ ብንያም ከኣ ደድሕሪ ኣብኔር ተአኪቦም፡ ሓደ ጭፍራ ዀይኖም፡ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዂርባ ደው በሉ።

26 ሽዑ ኣብኔር ንዮኣብ ጸዊዑ፡ ኣታ፡ ሴፍዶ ንሓዋሩ ኺውሕጥ እዩ፡ ንዳሕራዩ መሪር ከም ዚኸውንከ ኣይትፈልጥን ዲኻ፡ ነቶም ህዝቢ ኻብ ምስጓጒ ኣሕዋቶም ኪምለሱ ዘይትእዝዝከ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፡ በሎ።

27 ዮኣብ ከኣ፡ ህያው ኣምላኽ እዩ፡ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብሲ፡ እዚ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ምስጓጒ ሓዉ ቕድሚ ጽባሕ ንግሆ ኣይምተመልሰን፡ በለ።

28 ሽዑ ዮኣብ መለኸት ነፍሔ፡ ኲሉ ህዝቢ ድማ ደው በለ፡ ድሕርዚ ኸኣ ንእስራኤል ኣይሰጐጐን፡ መሊሶምውን ኣይተዋግኡን።

29 ኣብኔርን እቶም ሰቡን ድማ እታ ለይቲ እቲኣ ብመልኣ ብጐልጐል ክይድ ሓዲሮም ዮርዳኖስ ተሳገሩ፡ ንብዘላ ቢትሮን ሐሊፎም ድማ ናብ መሓናይም ኣተዉ።

30 ዮኣብ ከኣ ንኣብኔር ካብ ምስጓጒ ተመልሰ፡ ንዂሉ ህዝቢ ምስ ኣከቦ ድማ፡ ክብ ገላዉ ዳዊት ዓሰርተው ትሽዓተ ሰብኣይን ዓሳሄልን ጐደሉ።

31 እቶም ገላዉ ዳዊት ግና ካብ ብንያምን ካብ ናይ ኣብኔር ሰባትን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ቀተሉ።

32 ንዓሳሄል ከኣ ወሲዶም ኣብቲ ኣብ ቤት-ልሄም ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ዮኣብን እቶም ሰቡን ድማ ምሉእ ለይቲ ኽይድ ሓዲሮም፡ ኣብ ኬብሮን ወግሓሎም።