ሆሴእ 2

1 ነሕዋትኩም፣ ዓሚ፣ ንኣሓትኩም ከኣ፣ ሩሓማ፣ በሉ።

2 ኣዴኹም ሰበይተይ ኣይኰነትን፣ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኰንኩን እሞ፣ ምስኣ ተኻትዑ፣ ተኻትዑ፣ ምንዝርናኣ ካብ ገጻ፣ ዝሙታ ኸኣ ካብ መንጎ ኣጥባታ ተውጽእ።

3 እንተ ዘይኰነስ ገፊፈ ኸምታ እተወልደትላ መዓልቲ ጥራያ ኸንብራ፣ ከም ምድረ በዳ ኽገብራ፣ ከም ንቑጽ ምድሪ ኸንብራ፣ ብጽምኢውን ክቐትላ እየ።

4 ደቃ ድማ ደቂ ምንዝርና እዮም እሞ፣ ኣይክምሕሮምን እየ።

5 ኣዲኦም መንዚራ እያ እሞ፣ እታ ዝጠነሰቶም ነወረት። ደድሕሪ እቶም እንጌራይን ማየይን ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዔይን ዘይተይን መስተይን ዚሀቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ፣ ኢላ እያ እሞ፣

6 ስለዚ እንሆ፣ ንጐደናኺ ብእሾዅ ክሐጽሮ፣ መገድታታ ከይትረኽቦስ፣ ብቐጽሪ ክቐጽራ እየ።

7 ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ፣ ግናኸ ኣይከተርክቦምን፣ ክትደልዮም፣ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ። ሽዑ ንሳ፣ ካብ ሎሚ ሽዑ ይሕሸኒ ነይሩ እዩ እሞ፣ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣያይ ክምለስ እየ፣ ክትብል እያ።

8 ንሳ፣ ስርናይን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሀብክዋ፣ እቲ ንበዓል ዝገበርዎ ብሩርን ወርቅን ከም ዘብዛሕኩላ፣ ኣይፈለጠትን።

9 ስለዚ ንስርናየይ ብግዜኡ፣ ንወይነይ ከኣ ብወርሓቱ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትኸድነሉ ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዔይን ድማ ክምንዝዓ እየ።

10 ሕጂ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ፈተውታ ሓፍረታ ክቐልዓ እየ፣ ሓደ እኳ ካብ ኢደይ ዜድሕና የልቦን።

11 ኵሉ ሓጐሳን በዓላታን ሰርቂ ወርሓን ሰናብታን ኵሉ ዓበይቲ በዓላታን ከጥፍእ እየ።

12 ነቲ፣ ፈተውተይ ዝሀቡኒ ደመወዘይ እዚ እዩ፣ ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከብርሶ፣ ዱር ከኣ ክገብሮ እየ፣ ኣራዊት መሮርውን ኪበልዕዎ እዮም።

13 ብምኽንያት እተን ንበዓላት ዝዐጠነትለን መዓልትታት ክቐጽዓ እየ፣ ብቐለቤታን ብስልማታን ተጋይጽ፣ ደድሕሪ ፈተውታን ትስዕብ ነበረት፣ ንኣይ ግና ረስዓትኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

14 ስለዚ እንሆ፣ ኣነ ኽሓባብላ፣ ናብ በረኻ ኽወስዳ፣ ንልባ ኸኣ ክዛረብ እየ።

15 ካብኡ ኣታኽልቲ ወይና፣ ለሰ ኣኮር ከኣ ከም ደገ ተስፋ ክህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ብመዓልትታት ንእስነታ፣ ከምቲ በታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጸትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ።

16 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ፣ ድሕርዚ ኸኣ በዓለይ ኢልኪ ኣይክትጽውዕንን ኢኺ።

17 ኣነ ድማ ስም በዓላት ካብ ኣፋ ኸውጽእ እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ስሞም ኣይኪዝከርን እዩ።

18 በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ኣራዊት መሮርን ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምታ ምድርን ኪዳን ክኣትወሎም እየ፣ ቀስትን ሰይፍን ውግእን ካብታ ሃገር ክሰብሮ፣ ብደሓንውን ከንብሮም እየ።

19 ንዘለኣለም ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፣ ብጽድቅን ብፍርድን ብሳህልን ብምሕረትን ንኣይ ክሕጸየኪ እየ።

20 ብእምነት ከኣ ንኣይ ክሕጸየኪ፣ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር ክትፈልጥዮ ኢኺ።

21 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ኣነ ኽመልስ እየ፣ ንሰማይ ክመልሰሉ፣ ንሱ ኸኣ ንምድሪ ኺመልሰላ እዩ።

22 ምድሪ ድማ ንስርናይን ወይንን ዘይትን ክትመልሰሉ እያ። እዚውን ንይዝሬኤል ኪመልሰሉ እዩ።

23 ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ንኣይ ክዘርኦ እየ፣ ንሎሩሓማ ኸኣ ክምሕራ እየ፣ ንሎዓሚ ድማ፣ ንስኻ ህዝበይ ኢኻ፣ ክብሎ እየ። ንሱውን፣ ኣምላኽይ፣ ኪብለኒ እዩ።