ሆሴእ 14

1 ዎ እስራኤል፣ ብኣበሳኻ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።

2 ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ፣ ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፣ ሰናይ ከኣ ተቐበል፣ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና፣ በልዎ።

3 እቲ ዘኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፣ ኣሶር ኣየድሕነናን፣ ኣብ ኣፍራስ ኣይንውጣሕን፣ ድሕርዚውን ንዕዮ ኣእዳውና ኣምላኽና ኣይክንብሎን ኢና።

4 ኵራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፣ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፣ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ።

5 ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እዀኖ፣ ንሱ ኸም ዕምባባ ይዕምብብ፣ ከም ሊባኖስ ከኣ ሰረውሩ ይሰድድ።

6 ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፣ ምጽባቑ ኸም ኣውልዕ፣ መኣዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን።

7 እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዚነብሩ ይምለሱ፣ ብስርናይ ይብርትዑ፣ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፣ መዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ።

8 ዎ ኤፍሬም፣ ደጊምከ ኣነ ምስ ጣኦታት እንታይ ኣሎኒ∶ ኣነ ሰማዕክዎ፣ ናብኡ ድማ ክጥምት እየ። ከም ዝለምዔ ጽሕዲ እየ፣ ፍሬኻ ካባይ እዩ ዚመጽእ።

9 መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ጻድቃን ይመላለስሉ፣ መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፣ ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ∶ ዚፈልጦኸ ኣየናይ ለባም እዩ∶