2ይ ተሰሎንቄ 3

1-2 ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኪኸብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና።

3 ግናኸ እቲ ዜጽንዓኩምን ካብ ክፉእ ዝሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ።

4 እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባኻትኩም ኣብ ጐይታ እምነት ኣላትና።

5 ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።

6 እምብኣርስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና።

7-8 ኣብ ሓዴኹም እኳ ኸይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዓየና እምበር፡ ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

9-10 ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰንናን።

11 ማለት፡ ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዓዩ፡ ንሰምዕ አሎና።

12 ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን አሎና።

13 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ።

14 ሓደ እኳ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበርሉ።

15 ግናኸ ከም ሓዉ ደኣ ምዓድዎ እምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቝጸርዎ።

16 እምብኣርስ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብዅሉ ወገን፡ ኵሉ ሳዕ ሰላም ይሃብኩም። ጐይታ ምስ ኵላትኩም ይኹን።

17 እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ እዩ። እዚ ኣብ ኵሉ ደብዳቤታተይ መፈለጥታ እዩ፡ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ።

18 ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።