ዘካርያስ 4

1 እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ ተመሊሱ፣ ከምቲ ሰብ ካብ ድቃሱ ዚበራበር፣ ኣበራበረኒ፣

2 እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፣ ድማ በለኒ። ኣነ ኸኣ በልኩ፣ እንሆ፣ ሓደ ቐዋሚ ቐንዴል ኵለንትናኡ ወርቂ፣ ኣብ ርእሱ ኸኣ ዘይቱን ኣብኡውን ሾብዓተ መብራህቱ ንዘለዎ እርኢ ኣሎኹ። ነተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከኣ ሾብዓተ ሻምብቆ ኣለወን።

3 ኣብ ጥቓኡ ድማ ክልተ ኣውልዕ ኣለዋ፣ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፣ እታ ሓንቲውን ኣብ ጸጋሙ እየን።

4 ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ድማ፣ ጐይታየ፣ እዚኣተንሲ እንታይ እየን∶ ኢለ መለስኩሉ።

5 እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፣ እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ∶ ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ፣ ጐይታየ፣ ኣይፋለይ፣ በልኩ።

6-7 ሽዑ ንሱ መለሱ፣ እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ፣ ብመንፈሰይ እምበር፣ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐያታ ሰራዊት። ኣታ ዓብዪ ኸረን፣ መን ኢኻ∶ ኣብ ቅድም ዘሩባቤል ጐልጐል ክትከውን ኢኻ። ጸጋ፣ ጸጋ ንእኡ፣ እናተባህለ ኺጭደር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኼውጽኦ እዩ፣ ኢሉ ነገረኒ።

8 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

9 ንመሰረት እዛ ቤት እዚኣ ኣእዳው ዘሩባቤል ሰረታኦ፣ ኣእዳዉ ኸኣ ኪፍጽምኣ እየን። ንስኻ ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጥ ኢኻ።

10 ንመዓልቲ ናኣሽቱ ነገር ዚንዕቕ መን እዩ∶ እዘን ሾብዓተ ንዅላ ምድሪ ዚዞራ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ ተሐጒሰን ኪርእያኣ እየን።

11 ኣነ ኸኣ፣ እዘን ብየማነ ጸጋም እዚ ቐዋሚ ቐንዴል ዘለዋ ኽልተ ኣውሊዕሲ እንታይ እየን∶ ኢለ መለስኩሉ።

12 ካልኣይ ጊዜውን፣ እዞም ኣብ ጥቓ እቲ ወርቂ ዚውሕዞ መውሓዝ ወርቂ ዘለዉ ኽልተ ጨንፈር ኣውሊዕከ እንታይ እዮም∶ ኢለ መለስኩሉ።

13 ንሱ ኸኣ፣ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝዀኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ∶ ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን፣ ጐይታየ፣ ኣይፋለይ፣ በልኩ።

14 ሽዑ ንሱ፣ እዚኣቶምሲ እቶም ክልተ ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዚቘሙ ደቂ ዘይቲ እዮም፣ በለ።