ዘካርያስ 7

1 ኰነ ኸኣ፣ ብራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፣ ብራብዐይቲ መዓልቲ ናይታ ከስለው እትበሀል ታስዐይቲ ወርሒ፣ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መጸ።

2-3 ቤት-ኤል ከኣ ንሻሬጽርን ንሬገም-ሜልክን ምስ ሰቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪምህለሉን፣ ነቶም ካህናት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን ንነብያትን ከኣ፣ ከምቲ በተን ብዙሓት ዓመታት ዝገበርክዎዶ፣ በታ ሓምሰይቲ ወርሒ ተፈልየ ኽበኪ እየ ኢሎም∶ ኪነግርዎምን ለኣኽዎም።

4 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸኒ፣

5 ንዅሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፣ በተን ሰብዓ ዓመት ኣብ ሓምሳይን ሳብዓይን ወርሒ እትጾሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምሲ፣ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝጾምኩምለይ∶

6 ምስ እትበልዑን ምስ እትሰትዩንከ ንርእስኹምዶ ኣይኰንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን∶

7 ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዝነበራ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወንን ሀድኤንን ከለዋ፣ ደቡብን ጐልጐልን ድማ ሰብ ሰፊርወን ከለዋ፣ እግዚኣብሄር ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነብያት ገይሩ ዝአወጆ ቓልሲ እዚዶ ኣይኰነን∶

8 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ንዘካርያስ መጾ፣

9 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፣ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።

10 ንመበለትን ንዘኽታምን ንድኻን ኣይትግፍዑ፣ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ።

11 ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፣ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱ፣ ከይሰምዑውን ኣእዛኖም ኣጽመሙ።

12 ነቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብመንፈሱ ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነብያት ገይሩ ዝሰደዶ ሕግን ቃላትን ከይሰምዑስ፣ ልቦም ከም ኣልማዝ ገበሩ፣ ስለዚ ኻብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዓብዪ ቝጥዓ ዀነ።

13 ኰነ ድማ፣ ከምቲ ንሱ ዝጸውዔ፣ ንሳቶም ከኣ ዘይሰምዑ፣ ከምኡውን ንሳቶም ጸውዑ፣ ኣነ ኸኣ ኣይሰማዕኩን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

14 ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ዘበሉ ዅሎም ኣህዛብ በተንክዎም፣ እታ ሃገር ከኣ ሓደ እኳ ዘይሐልፋን ዘይምለሳን ኰይና ብድሕሪኦም ባደመት፣ ነታ ሃገር ደስታውን ኣባደምዋ::