መኃልየ መኃልየ 8

1 ኣየ፡ ወላዲተይ ዝጠቦኻ ኸም ሓወይ እንተ ትዀነለይ፡ ኣብ ወጻኢ ምስ ዝረኽበካ፡ ምስዐምኩኻ ነይረ፡ ሓደ እኳ ኣይምነዐቐንን።

2 መሪሔ ናብ ቤት ኣደይ መእቶኹኻ፡ ንስኻ ምመሀርካኒ፡ ኣነውን ካብ እተቓመመ ወይኒ፡ ካብ ሮማነይ እተጸምቈ መስቴኹኻ።

3 ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የማነይቱ ኸኣ ትሐቚፈኒ።

4 ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብርኣን ኢለ ኤምሕለክን ኣሎኹ።

5 እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኲሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ? ኣብ ትሕቲ ኦም ትርንጒ ኣንቓሕኩኻ፡ ኣብኣ ኣዴኻ ወላዲትካ፡ ኣብኡ ወላዲትካ ወለደትካ።

6 ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፡ ቅንአታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ እዩ፡ ረስና ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ከም ማሕተማ ኣብ ልብኻ፡ ከም ማሕተማ ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ።

7 ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን፡ ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን፡ ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዂሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡ ኣዝዮም ምነዐቕዎ ነይሮም።

8 ጡብ ዘየውጽኤት ንእሽቶ ሓብቲ ኣላትና፡ እትድለየላ መዓልቲ ምስ በጽሔት፡ ንሓብትና እንታይ ክንገብረላ ኢና?

9 ቀጽሪ እንተ ዀነት፡ ኣብ ልዕሊኦ ግምቢ ብሩር ክንሰርሓላ፡ ደገ እንተ ዀነት ኸኣ፡ ብጽሩብ ጽሕዲ ኽንከባ ኢና።

10 ኣነ ቐጽሪ እየ፡ ኣጥባተይ ከኣ ከም ግምብታት እየን፡ ሽዑ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሰላም ዝረኸበት ኰንኩ።

11 ሰሎሞን ኣብ በዓል - ኣሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። ነዚ ኣታኽልቲ ወይኒ እዚ ኸኣ ንሓለውቲ ኣብ ክንዲ ፍሬኡ ነፍሲ ወከፎም ሽሕ ብሩር ኬምጽኡስ ሀቦም።

12 እታ ናተይ ዝዀነት ኣታኽልቲ ወይነይ ኣብ ቅድመይ እያ፡ ዎ ሰሎምን፡ ሽሕ ንኣኻ እዩ፡ ፍሬኣ ንዚሕልው ድማ ክልተ ሚእቲ ይኹን።

13 ኣቲ ኣብ ኣታኽልትታት እትነብሪ፡ እቶም ብጾት ንድምጽኺ ጽን ይብሉ ኣለው፡ ንኣይ ኰታ ኣስምዕኒ።

14 ኣታ ፍትወየ፡ ቀልጥፍ፡ ኣብ ምኡዝ ኣኽራን ከኣ ከም ሜዳቚ ወይስ ከም ኣርሕዶ እራብ ኩን።