መኃልየ መኃልየ 6

1 ኣቲ ሓለፋ ዂለን ኣንስቲ እትጽብቒ፡ ፈታዊኺ ናበይ ከይዱ እዩ? ምሳኺ ኽንደልዮስ፡ ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ እዩ ዝኸደ?

2 ፍትወይሲ ናብ ገነቱ፡ ኪጓስን ዕምባባታት ሹሻን ኪእክብን፡ ናብ ገነቱ፡ ናብ ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም ወሪዱ ኣሎ።

3 ኣነ ናብ ፍትወይ እየ፡ ፍትወይ ከኣ ናተይ እዩ፡ ንሱ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ይጓሲ ኣሎ።

4 ኣቲ ፍትውተየ፡ ከም ቲርጻ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ከም ኢየሩሳሌም ባህ እተብሊ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ ተፍርሂ ኢኺ።

5 ኣዒንትኺ ኣፍሪሄናኒ እየን እሞ፡ ንንየው ምለስየን፡ ጸጒሪ ርእሰኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።

6 ኣስናንኪ ኸም ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኲለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ።

7 መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ።

8 ንግስታት ስሳ፡ ዕቁባት ዜብለን እየን።

9 ግናኸ ርግበይ፡ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ፡ ነዲኣ ሓንቲ እያ፡ ንወላዲታ ምርጽቲ እያ፡ ኣዋልድ ርእየን ብጽእቲ በልኣ፡ ንግስታትን ዕቁባትን ድማ ነኣድኣ።

10 እዛ ኸም ወገግታ እትቕልቀል፡ ከም ወርሒ ጽብቕቲ፡ ከም ጸሓይ ድምቕቲ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ እተፍርህ መን እያ?

11 ልምሉም ተኽሊ ለሰ ኽርኢ፡ ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡ ሮማንውን እንተ ዐምቢቡ ኽርኢ፡ ናብ ኣታኽልቲ ኻዕካዕ ወረድኩ።

12 ከይፈለጥኩስ፡ ነፍሰይ ኣብ ሰረገላ እቲ ኽቡር ህዝበይ ኣቐመጠትኒ።