ዘዳግም 8

1 ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ግበርዎ።

2 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዝመርሓካ ዅሉ መገዲ፡ ትእዛዛቱ እትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ ዘይትሕሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪፍትነካ ኢሉ ኸም ዘዋረደካ፡ ዘክር።

3 ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር፡ ብእጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካ፡ ንሱ ኣዋረደካ፡ ኣጥመየካ፡ ንስኻ ዘይፈለጥካዮ ኣቦታትካውን ዘይፈለጥዎ ማና ኸኣ ኣብልዓካ።

4 በዘን ኣርብዓ ዓምት ክዳንካ ኣባኻ ኣይበለየን፡ እግርኻውን ኣይሐበጠን።

5 ሰብ ንወዱ ኸም ዚቐጽዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከምኡ ኸም ዝቐጽዓካ፡ ብልብኻ ፍለጥ።

6 እምበኣር ብመገዱ ንምኻድን ንእኡ ንምፍራህን፡ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሐሉ።

7 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኼእትወካ እዩ እሞ፡ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ኣኽራንን ዚፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዔላታትን ዘለዋ፡

8 ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፡ ምድሪ ናይ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን፡

9 እንጌራ ድኽነት ዘይትበልዓላ፡ ገለ እኳ ዘይጐድለካ ምድሪ፡ ኣእማና ሓጺን፡ ካብ ኣኽራና ድማ ኣስራዚ እትዅዕተላ ምድሪ።

10 ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ፡ እታ ጽብቕቲ ምድሪ ስለ ዝሀበካ፡ ከተመስግኖ ኢኻ።

11 ነዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን፡ ብዘይ ምሕላውካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዖ፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።

12 በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን፡

13 ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና፡ ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሓልካ፡ ዘሎካ ዅሉ ድማ ምስ በዝሔ፡

14 ሽዑ ልብኻ ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዕ፡

15 በቲ ዚነዱ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፡ ማይ ብዜብሉ ኣጻምእ ገፊሕን ዜፍርህን በረኻ ዝመርሓካ፡ ካብ ጽኑዕ ከውሒ ማይ ዘውጽኣልካ፡

16 ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎ ማና ዘብልዓካ፡ እዚ ኸኣ ምእንቲ ኼዋርደካን ኪፍትነካን ኣብ መወዳእታውን ኬጸብቐልካ ኢሉ እዩ።

17 ብልብኻ፡ ሓይለይን ጽንዓት ኢደይን እዚ ዅሉ ሃብቲ ደለበለይ፡ ከይትብል እዩ።

18 ከምዚ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ኬቕውም፡ ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር።

19 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላክካ እንተ ረሳዕካ፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ሰዐብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ እንተ ሰገድካሎምን ከኣ፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ሎሚ እምስክረልኩም ኣሎኹ።

20 ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ህዝብታት፡ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።