ዘዳግም 27

1 ሙሴን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ሐልውዎ።

2 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ በታ ንዮርዳኖስ እተሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ንኣኻ ኣቚም እሞ፡ ብኖራ ለቕልቆ።

3 ምስ ተሳገርካ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ እተዛረበካ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምእንቲ ኽትኣቱስ፡ ኣብኡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ዅሉ ቓላት ጽሐፍ።

4 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኣእማን ኣብ ከረን ዔባል ኣቚምዎ፡ ብኖራ ኸኣ ለቕልቕዎ።

5 ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ፡ ብሓጺን ዘይተንኬኻዮ ኣእማን፡ መሰውኢ ንደቕ።

6 ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውእስ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቆ፡ ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕርግ።

7 መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእካ ኣብኡ ብላዕ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጐስ።

8 ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ግሉጽን ጽቡቕን ጌርካ ኣብቲ ኣእማን ጽሐፎ።

9 ሙሴን እቶም ካህናት ሌዋውያንን ከኣ ንዅሉ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ ዎ እስራኤል፡ ስቕ ኢልካ ስማዕ፡ ሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዄናካ ኢኻ።

10 እምበኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስማዕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከኣ ግበር።

11 ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡

12 ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ እዚኣቶም ኣብ ከረን ጌሪዚም ቈይሞም ንህዝቢ ይባርኹ፡ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን።

13 እዚኣቶም ድማ ኣብ ከረን ዔባል ቈይሞም ይርገሙ፡ ሮቤል፡ ጋድ፡ ኣሴርን ዛብሎንን ዳንን ንፍታሌምን።

14 ሌዋውያን ድማ ይምለሱ፡ ንዅሉ ሰብ እስራኤል ከኣ ብዓብዪ ድምጺ ይበሉ፡

15 እተወቕረን ዝፈሰሰን፡ እግዚኣብሄር ዝፈንፈኖ፡ በእዳው ብልሓተኛ እተገብረ ምስሊ ዝገበረ፡ ሐቢኡ ኸኣ ዜንብሮ፡ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን፡ ኢሉ ይምለስ።

16 ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።

17 ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን፡ ይበል።

18 ንዕዉር መገዲ ዜጋግዮ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።

19 ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዚጠዊ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣሜን ይበል።

20 ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ፡ ጫፍ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል።

21 ምስ ዝዀነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል።

22 ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።

23 ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል።

24 ንብጻዩ ብስዉር ዚቐትል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።

25 ነፍሲ እቲ ንጹህ ኪቐትል መማለጃ ዚቕበል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣሜን፡ ይበል።

26 ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኺገብሮ ዘየጽንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።